Akuten (ህጹጽ)

​እዚ ህጹጽ (Akuten) ዚብል ቃል፤ ብሓጺር ናይ ህጹጽ መቐበል ሕሙማት መግለጺ እዩ። ህጹጽ መቐበል ሕሙማት ሓደ ሆስፒታል ኮይኑ፤ ኣጻዳፊ ሕማም ወይ ከቢድ መጕዳእቲ ምስ ዘጋጥመካ፤ እቲ ማእከል-ጥዕና ውን ዕጽው ምስ ዚኸውን እትኸዶ እዩ። ከም ልሙድ ንሓደ ንህይወት ዘየስግእ ግን ቅልጡፍ ሕክምና ዘድልዮ ሕማም ወይ ናይ ሓደጋ መጕዳእቲ (ኣብቲ ቀዳማይ ደረጃ ክንክን-ሕማም) ናብ ተረኛ መቐበል-ሕሙማት ክትከይድ እዩ። ክንክን-ሕማም ብሰለስተ ደረጃ ዝግለጽ እዩ። ኣብ ግዜ ቀትሪ ንቕልል ዝበለ ሕማም ወይ ቀሊል መጕዳእቲ፤ ንሕክምና ናብቲ ናትካ ማእከል-ጥዕና ትኸይድ። ኣብ ግዜ ምሸትን ብዓላትን ድማ፤ ናብቲ ናይ ሰፈርካ ህጹጽ መቐበል ሕሙማት ወይ ናብ ተረኛ ማእከል-ጥዕና ትኸይድ። ኣብ ኣዝዩ ኣጻዳፊ ኵነታት ግን፤ ናብ ሆስፒታል ህጹጽ መቐበል ሕሙማት ትኸይድ። እቲ ዝበለጸ ኣቐዲምካ ምስ ትድውል፤ ናበይ ከም ትኸይድ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ ምስ ትገብር፤ ኣብቲ መጸበዪ ቦታ፤ ብዙሓት ሓገዝ ዘድልዮም ምስ ዚህልዉ፤  ምስ ካልኦት ሕሙማት ንነዊሕ ሰዓታት ምጽባይ ክተርፈልካ ይኽእል እዩ። እዚ ኣብተን ነንበይነን ኮሙናትን፤ ወረዳዊ ባይቶታትን፤ ኣገባባቱ ክፈላለ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ሕማማት ወይ መጕዳእቲ ወይ ናበይ ክትከይድ ከም ዘሎካ ንምፍላጥ፤ ናብ ምኽሪ ክንክን-ሕማም፤ ብቑጽሪ ቴሌፎን 1177 ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ዚስዕብ ኣቲኻ ውን www.1177.se/, https://www.sosalarm.se/viktiga-telefonnummer/112/ ብዝያዳ ክተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ናብ ገጽ ኣገደስቲ ቃላት ኪድ

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ