Anställningsbevis (ናይ ስራሕ ምቝጻር መረጋገጺ ሰነድ)

​ናይ ስራሕ ምቝጻር መረጋገጺ ሰነድ ዚበሃል፤ ዝርዝር ናይቲ ስምምዕ ዘሎዎ፤ እቲ ኣብ መንጎ ወሃብ-ስራሕን ሰራሕተኛን ዚግበር፤ ጽሑፋዊ ውዕል እዩ። ስራሕ ድሕሪ ምጅማርካ፤ ወሃብ-ስራሕካ እንተ ደንጎየ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ፤ ነቲ ኣገደሲ ናይ ስራሕ ኣቆጻጽራኻ ኵነት ዚገልጽ፤ ናይ ሓበሬታ ጽሑፍ ክህበካ የድሊ። እቲ ናይ ስራሕ መቝጸርቲ፤ ካብ 3 ሰሙን ዝሓጽር ምስ ዚኸውን፤ እቲ ወሃብ ስራሕ ከምዚ ዓይነት ሓበሬታ ክህበካ ግዴታ የብሉን። እቲ ዝወሃበካ ሓበሬታ ብውሑዱ እዚ ዚስዕብ ትሕዝቶ ክህልዎ የድሊ።

•    ስምን ኣድራሻን ወሃብ-ስራሕ
•    ስምን ኣድራሻን ሰራሕተኛ (ናትካ)
•    ስራሕ ዝጅመረሉ ዕለት (መዓስ ስራሕ ከም ትጅምር) እንታይ ከም ትሰርሕን ቦታ-ስራሕን
•    ሓጺር መግለጺ ትሕዝቶ ስራሕን፤ ስም ናይቲ ሞያን ወይ ናይ ስራሕ መዓርግን
•    ዓይነት ኣቆጻጽራ፤ ንኣብነት ዘላቒ-ስራሕ ወይ ንውሱን ግዜ ስራሕ ወይ መፈተንታ-ስራሕ ምዃኑ ዝገልጽ።

  1. ኣቆጻጽራኻ ዘላቒ-ስራሕ እንተኾይኑ፤ ኣደማድማ ናይ ስራሕ ኣቆጻጽራኻ ግዜ ክንደይ ምዃኑ።
  2. ናይ ውሱን ግዜ ስራሕ እንተ ኾይኑ፤ መዓስ ዕለት ከም ትውድእ፤ ወይ ኵነት ኣደማድማ ስራሕ፤ ከመይ ከም ዚመስል፤ እንታይ ዓይነት ግዚያዊ ኣቆጻጽራ- ስራሕ ምዃኑ
  3. መፈተንታ-ስራሕ ምስ ዚኸውን፤ ንውሓት ናይቲ ናይ መፈተንታ ግዜ።

•    መጀመሪ-ደሞዝ - እቲ ክትጅምር ከሎኻ ዚሕሰበልካ ደሞዝ። ካልእ ረብሓታትን፤ ኣብ ክንደይ ግዜ ደሞዝ ከም ዚኽፈለካ።
•    እትኽፈለሉ ናይ ዕረፍቲ ግዜ፤ እቲ ልሙድ ናይ ስራሕ ዕለታትን ወይ ናይ ስራሕ ሰሙናትን።
•    ሓባራዊ-ውዕል - ሓባራዊ ውዕል ምስ ዚህሉ እዩ።
ናይ ስራሕ ምቝጻር መረጋገጺ ሰነድ፤ ብወሃብ-ስራሕን ሰራሕተኛን ዝተፈረመ ክኸውን ይግባእ።

ናብ ገጽ ኣገደስቲ ቃላት ኪድ

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ