Avboka tid (ቆጸራ ምስራዝ)

​ቆጸራታት ንኣብነት ምስ ሓኪም-ስኒ፤ ምስ ማእከል-ጥዕና ወይ ሰራሒት-ጸጕሪ ወዘተ ምስ ዚህልወካ፤ ነቲ ዝተሰማማዕኩምሉ ሰዓት ምኽባር፤ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ደንጒኻ ምስ ትመጽእ ወይ ፈጺምካ ምስ ዘይትመጽእ፤ ናይቲ ዝተቛጸርካሉ ጉዳይ፤ ዋላኳ ነቲ ግዜ እንተ ዘይተጠቐምካሉ፤ ብኸፊል ወይ ብምሉኡ ገንዘብ ክትከፍለሉ ክትግደድ ትኽእል ኢኻ። እዚ ዋላ ንዘይክፈሎ ጉዳያት ውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት ንቖልዑን ንመንእሰያትን፤ ናብ ሓኪም-ስኒ ምኻድ ብነጻ እዩ፤ ይኹን እምበር ኣብቲ ቆጸራካ ምስ ዘይትርከብ፤ ገንዘብ ትኸፍል ኢኻ። ቆጸራኻ ክተኽብር ከም ዘይትኽእል እንተ ፈሊጥካ፤ ወይ እንተ ሓሚምካ፤ መታን ኣብ ዕዳ ከይትኣቱ፤ ንቆጸራኻ ነጊርካ ክትስርዞ የድልየካ። እዚ ማለት ድማ፤ ደዊልካ ክትመጽእ ከም ዘይትኽእል ሓብሮም።

ናብ ገጽ ኣገደስቲ ቃላት ኪድ

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ