Avtal (ውዕል)

​ውዕል ማለት፤ ኣብ መንጎ ክልተ ወይ ብዙሓት ሰባት (ክልተ ወይ ብዙሓት ኣካላት) ዚግበር ስምምዕ እዩ። እቲ ውዕል ብጽሑፍ ምስ ዚኸውን፤ ብዙሕ እዋን ኮንትራት ተባሂሉ ውን ይጽዋዕ እዩ። እቲ ኣገባቡ ድማ፤ እቲ ሓደ ኣካል (ሰብ ወይ ኩባንያ) ሓደ ናይ ዕዳጋ-ቀረብ ሒዙ፤ ናይ ዋጋ ትማነ የቕርብ፤ እቲ ካልኣይ ኣካል ድማ፤ ነቲ ናይ ዕዳጋ-ቀረብን ዝተተመነ-ዋጋን ይሰማማዓሉ። ንኣብነት እቲ ጉዳይ፤ ብዛዕባ ሓደ ናይ መጻሕፍቲ-ክለብ፤ መጻሕፍቲ ንኽልእከልካ ንስኻ ድማ ገንዘብ ክትከፍል፤ መብጽዓ ምእታው ክኸውን ይኽእል። ብዛዕባ ውዕል ናይ ስራሕ ወይ ናይ ምግዛእ ማኪና ውን ክኸውን ይኽእል። ገዛ ክትካረ ከሎኻ ውን፤ ወይ ኤሌትሪክ ንገዛኻ ክትእዝዝ ከሎኻ፤ ውዕል ትፍርም ኢኻ። ሓደ ውዕል ዘብቅዓሉ ግዜ፤ ፍሉይ ኵነታት ምስ ዘጋጥም፤ ወይውን ንስኻ ወይ እቲ ካልኣይ ኣካል፤ ነቲ ስምምዕ ከፍርሶ ምስ ዚደሊ እዩ። እቲ ውዕል-መደምደሚ ግዜ፤ ንውሓቱ ክፈላለ ይኽእል እዩ። ኣብዚ ዚስዕብ ኣድራሻ ኢንተርነት http://www.hallakonsument.se/klaga-angra-eller -anmala/vad-lagen-sager/avtalsvillkorslagen/ ከምኡውን http://www.hallakonsument.se/klaga-angra-eller-anmala/vad-lagen-sager/konsumentkoplagen/ ኣቲኻ ብዝበለጸ ኣንብብ።

ናብ ገጽ ኣገደስቲ ቃላት ኪድ

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ