Bilförsäkring (ውሕስነት-ማኪና)

​ናይ ማኪና ውሕስነት፤ እንተ ወሓደ ሕስነት ካልኣይ-ኣካል trafikförsäkring ዘሎዎ እዩ። እዚ ውሕስነት ካልኣይ-ኣካል ክህልወካ ኣገዳዲ እዩ። (እዚ ማለት ድማ፤ ማኪናኻ ክትዝውራ እንተ ዄንካ፤ እዚ ውሕስነት ዚ ክህልዋ ይግባእ)። እዚ ውሕስነት ካልኣይ-ኣካል ዚበሃል፤ በታ ማኪና ጌርካ ናብ ካልእ እተስዕቦ ጕድኣት ዚኽሕስ እዩ። (ናይ ነብስኻን ናይ ማኪናኻን ጕድኣት ኣይምልከትን እዩ)። ብፍርቂ ውሕስነት ንናትካ ማኪና ውን ውሕስነት ይህልወካ እዩ። እቲ ኣብ ፍርቂ-ውሕስነት እትረኽቦ ውሕስነት፤ ንስርቂ፡ ንባርዕ፡ ንጥርሙዝ፡ ንጕድኣት-ማሺን፡ ንረድኤትን ሕጋዊ-ሓገዝን እዩ። እቲ ምሉእ-ውሕስነት ዚበሃል፤ ናብ ናትካ ማኪና ዝሰዓበ ጕድኣት ውን፤ ናይ ካሕሳ ውሕስነት እትረኽበሉ፤ ንኣብነት ምስ ትጸድፍ እዩ። ኣብቲ ናይ ውሕስነት ኩባንያኻ ኣድራሻ ኢንተርነት ኣቲኻ ወይ ኣብዚ ዚስዕብ www.konsumenternas.se, www.tff.se ኣቲኻ ኣንብብ።

ናብ ገጽ ኣገደስቲ ቃላት ኪድ

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ