CV (ሰነድ መግለጺ ተምኵሮ-ስራሕን ደረጃታት-ትምህርቲን - ሲቪ)

​እዚ ሲቪ ዚብል ሓጺር ኣጸሓሕፋ፤ ናይቲ Curriculum vitae ዚብል ናይ ላቲን ኣምር፤ መግለጺ ጉዕዞ ናይ ህይወት ዝሓዘ ሰነድ እዩ። ሲቪ ማለት፤ ሰነድ መግለጺ ተምኵሮ-ስራሕን ደረጃታት-ትምህርቲን ማለት እዩ። ገለ-ገለ እዋን መዝገብ ዓቕምታት ተባሂሉን ውን ይጽዋዕ እዩ። ሲቪ፡ ነቲ ስራሕ ኣብ ምድላይካ ክተቕርቦም ዘድልዩኻ ሰነዳት፤ ኣዋዲድካ ንምቕራብ እትጥቀመሉ ኣገባብ እዩ።
ሓደ ሲቪ ክህልዎ ዚኽእል ትሕዝቶ:
•    ሓጺር ናይ ህይወትካ መግለጺ
•    ናይ ስራሕ ልምዲታት፤ ናይ ቅድም ዝነበረካ ስራሕን ሓላፍነታትን
•    ትምህርቲን ዝተመረቕካሉ ደረጃታትን
•    ኣብ ማሕበራት ኣባል ቦርድ ዝነበርካሉ (ምስ ዚህሉ)
•    ናይ ነጻ ግዜ ንጥፈታትካን ኣባል ናይ ዝኾንካሉ ማሕበራትን
•    ናትካ ግላዊ-ሓበሬታ፤ ንኣብነት ቁጽሪ መንነት፤ ኣስማት ርክባት፤ ኣድራሻ
•    ስም ተተውከስቲን ናይ ርክቦም ሓበሬታን። ነዞም ተተውከስቲ ሰባት ኣቐዲምካ፤ ከም ናትካ ተተውከስቲ ክኾኑ ኣቐዲምካ ሓቢርካዮም ክትጸንሕ የድሊ እዩ። እቲ ልሙድ ኣብቲ ናይ ቅድም ስራሕካ ሓለቓኻ ዝነበረ እዩ። ናይዚ ሓድሽ ዘመልከትካሉ ወሃብ ስራሕ፤ ደዊሉ እንታይ ዓይነት ሰብ ምዃንካን እንታይ ትሰራሕ ከም ዝነበርካን ክሰምዕ፤ ምስቶም ተተውከስቲ ሰባት ርክብ ክገብር ይኽእል እዩ።
ኣብዚ ዚስዕብ: www.arbetsformedlingen.se ብዝያዳ ክተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ናብ ገጽ ኣገደስቲ ቃላት ኪድ

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ