Ekonomiskt bistånd (ቁጠባዊ ደገፍ)

​መተሓዳደሪ-ሓገዝ ተባሂሉ ውን ይጽዋዕ እዩ። ቅድም ድማ ሓገዝ ማሕበራዊ-ናብዮት (እንዳ-ሶሻል) ይበሃል ኔሩ። እዚ ቁጠባዊ-ደገፍ ዚ፤ እቲ ንሓደ ኣብ ግዚያዊ ቁጠባዊ ሽግር ዝወደቐ ሰብ፤ ከም ናይ መወዳእታ ዑቕባዊ-መርበብ ከገልግል ዚግብኦ እዩ። እዚ ቁጠባዊ ደገፍ ዚ፤ እቲ ነብስኻ ንምትሕድዳር፤ እኹል ገንዘብ ኣብ ዘይህልወካ ግዜ፤ እትቕበሎ (ንኣብነት ናይ መግቢን ክራይን) እዩ።

ነቲ ቁጠባዊ-ደገፍ ከም መተሓዳደሪ ገንዘብ ክወሃበካ፤ ኩሉ እዋን ምልክታ ክተእቱ ይግባእ። ሰብ ብኽንደይ ገንዘብ ክመሓደር ከም ዘለዎ፤ ኣብ ብሳኔ ዝኣተወ እዩ። መተሓዳድሪ-ገንዘብ ንምርካብ ምስ ተመልክት፤ እቲ ቤትስልጣን ማሕበራዊ ኣገልግሎት፤ ናብቲ ንዓኻ ዘድልየካ ብዝሒ እዩ ዚጥምት። ብቐዳማይ ደረጃ ደቂ-ሰባት፤ ባዕላቶም ሓላፍነት ናይ ገዛእ-ህይወቶም ክወስዱ እዩ። እዚ ማለት ድማ፤ ሓደ ሰብ ቅድሚ ቲ ሓገዝ ናይ ምርካብ መሰሉ ምርግጋጽ፤ ነቲ ናይ መተሓዳደሪኡ ወጻኢታትን ካልእ ኣድላይነቱን፤ ብገዛእ ዓቕሙ ንምኽኣል ክጽዕር ይግብኦ። እቲ ክሰርሕ ዚኽእል፤ ክሰርሕ ግዴታ ኣሎዎ። ኣብ ባንክ ገንዘብ ምስ ዚህልወካ ወይ ንብረት ከም (ማኪና፡ ቤት፡ ጃልባ ወዘተ) ምስ ዚህልወካ፤ ቁጠባዊ ሓገዝ ንኸይትረክብ ይክኣል እዩ።

ብቐዳምነት ሰብ፤ ነቲ ኪርከብ ዚክኣል፤ ካልእ ዕድላትን ሓገዛትን ንኣብነት ከም፤ ሓገዝ ክራይ-ገዛን ደሞዝ-ወለዲን ክሓትት ኣሎዎ። መተሓዳደሪ-ገንዘብ ንምርካብ እትሓትት፤ ኣብቲ ኣብ ኮሙንካ ዚርከብ፤ ቤትስልጣን ማሕበራዊ-ኣገልግሎት ኮይኑ፤ (ኣብቲ ናይ ኮሙን ኣድራሻ ኢንተርነት ኣቲኻ ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ)። ቤትስልጣን ማሕበራዊ-ኣገልግሎት፤ ነቲ ዘእተኻዮ ምልክታ ክጸሉ ዚኽእል፤ ናይ ኩሉ እቲ ቁጠባዊ-ሃለዋትካ ሓበሬታታት፤ ንኣብነት እቶትካ፤ ንብረትካ፤ ወጻኢታትካ ወዘተ ምፍላጥ የድልዮ እዩ። ኣብዚ ዚስዕብ

www.socialstyrelsen.se/ekonomisktbistand/forsorjningsstod,
www.socialstyrelsen.se/ekonomisktbistand/utlandskamedborgare ብዝያዳ ኣንብብ።

ናብ ገጽ ኣገደስቲ ቃላት ኪድ

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ