Erbjudande (ቀረብ - ሬክላም)

​ካብ ሓደ ንዓኻ ገለ ክሸጠልካ ዚደሊ ኩባንያ ወይ ሰብ፤ ወፈያዊ ብዚመስል ቃላት ጌሩ፤ ዓዳሚ ብዝኾነ ኣገባብ ክቐርበካ ይኽእል ኢዩ።  እዚ ሬክላም ዚ፤ እንታይ ማለት ከም ዝኾነ፤ ብዝግባእ ኣንቢብካ ርግጸኛ ምዃን የድልየካ። እንተ ዘይተረዲኡካ ግን፤ ሕተት! ነዚ ሬክላም ዝተገብረሉ ኣቕሓ ንምርካብ፤ ንስኻኸ እንታይ ክትህበሉ ከም ዝኾንካ፤ ርግጸኛ ምዃን የድልየካ። እዚ ናይ ሬክላም ጉዳይ፤ ዋላኳ ብግሉጽ እንተ ዘይተጻሕፈ፤ ኩሉ እዋን ናይ ገንዘብ ሕቶ ምዃኑ ኣስተውዕል። ንኣብነት ኣብ ሓደ ክለብ-መጻሕፍቲ ወይ ከምኡ ዝኣመሰለ ክትኣቱ ትዕደም፤ ገለ መጻሕፍቲን ቦርሳን ወዘተ ድማ ከም ህያባት ይልእኩልካ። ነዚ ንምርካብ ግን፤ ብወገንካ ክትገብረሎም ዘሎካ ነገር ከም ዘሎን እዩ። ኣስተውዕል፡ ብነጻ ዚወሃብ ነገር የልቦን። ቅድሚ ካብቲ ክለብ-መጻሕፍቲ ክትወጽእ ምኽኣልካ፤ ክትገዝኣሎም ዚግበኣካ ቁጽሪ መጻሕፍቲ (ከከም ቲ ዓይነት ሬክላሙ) ኣሎ እዩ።

ናብ ገጽ ኣገደስቲ ቃላት ኪድ

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ