Försäkring (ውሕስነት)

​እቲ ዕላማ ናይቲ ውሕስነታት ዚብል ኣምር፤ ብዙሓት ሰባት ኴንካ ነቲ ዘጋጥም ሓደጋ ብሕብረት ትገጥሞ። ንሓደጋታትን ጉድኣትን ናይ ሰብን ንብረትን፤ ውሕስነት ክትኣቱ ትኽእል ኢኻ። ውሕስነታት ንኣብነት ከም ናይ (ነገራት፡ ቤት፡ ማኪናታት ወዘተ) ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ንውሕስነት እትኸፍሎ ገንዘብ፤ ክፍሊት-ውሕስነት ይበሃል። ቤት ምስ ሓዝካ፤ ውሕስነት ክትኣቱ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፤ ንኣብነት ኣብቲ ገዛ ከም ስርቂ ወይ ባርዕ-ሓዊ ወዘተ ከጋጥም ስለ ዚኽእል። ኣብቲ ውሕስነት ዝኣተኻሉ ጉዳይ፤ ገለ ነገር ምስ ዘጋጥም፤ ካሕሳ ይወሃበካ፤ እዚ ድማ (ብገንዘብ ወይ ብመተካእታ ኣቕሓ ክኸውን ይኽእል)። ብዝያዳ ኣብዚ ዚስዕብ
konsumenternas.se ኣንብብ።
ወይ ውን ኣብቲ ናይታ ውሕስነት ዝኣተኻላ ኩባንያ ኣድራሻ ኢንተርነት ኣቲኻ ተወከስ።

ናብ ገጽ ኣገደስቲ ቃላት ኪድ

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ