Facket (ማሕበር-ሰራሕተኛታት)

​ብዙሓት ናይ ማሕበር-ሰራሕተኛታት ኣለዋ፥ ብሓጺር ድማ ” facket” ተባሂለን ይጽውዓ እየን። ንኣባላተን ብዝበለጸ ንምሕጋዝ ድማ፤ ምስ ነንበይኑ ጨናፍር ስርሓት ዝተተሓሓዛ እየን። ኣባል ማሕበር-ሰራሕተኛ ምዃን፤ ብብዙሕ መንገዲ ጽቡቕ እዩ። ኣብቲ እትሰርሓሉ ቦታ ሽግር ምስ ትረክብ ዝሕግዘካ ሰብ ስለ ዘሎ። ኣብ ክንዲ ንስኻ ባዕልኻ መሰላትካ ንምሕላው ትቋመት፤ ባዕልኻ ብዛዕባ ደሞዝካ ትከራኸር፤ ሓደገኛ ቦታ-ስራሕ ናብ ዘየስግእ ቦታ ንኽኸውን ምጽዓር፤ ንኣብነት ውን ኣብ ቦታ ስራሕካ እትዋረደሉ ኩነታት ምስ ዘጋጥም፤ ኣብዚ ኹሉ ከምዚ ኩነታት፤ ኣብ ጐድንኻ ንዓኻ ዚድግፍ ማሕበር ኣሎካ ማለት እዩ። ሓደ ማሕበር-ሰራሕተኛታት ኣብ ብዙሕ ነንበይኑ ጉዳያት፤ ውን ናይ ክኢላታት ሓገዝ፤ ካብ ናይ ድሕነት ሕቶታት ክሳዕ ጠበቓ ናይ ምርካብ ኣርእስቲ ክኸውን ይኽእል። ንገለ-ገለ ርእይቶን ጠለባት ውን፤ ብመገዲ ሓደ ማሕበር ኣቢልካ ክተተግብሮ ዝዓበየ ዕድል ኣሎ፤ ምኽንያቱ ንስኻ በይንኻ ከም ውልቀ-ሰብ፤ ጉዳያት ንኽተስልጥ፤ እቲ ውሃብ-ስራሕ ንኸይግደሰልካ ይኽእል እዩ። ኣብዚ www.lo.se, www.tco.se ብዝያዳ ኣንብብ።

ናብ ገጽ ኣገደስቲ ቃላት ኪድ

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ