Flykting (ስደተኛ)

​ሓደ ሰብ ኣብቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ውዕል-ስደተኛታት እትው ዝኾነ፤ ብመሰረት መሰል-ህዝቢታት ውን ዑቕባ ንኽረክብ መሰል ዝረኸበ ሰብ እዩ። ብመሰረት ውዕል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፤ ሓደ ከም ስደተኛ ዚቝጸር ሰብ፤ ኣብ ሃገሩ ብምኽንያት ዘርኡ ወይ ዓሌቱ ወይ ብሄሩ ወይ ሃይማኖቱ ወይ ፖለቲካዊ ርእይቶኡ፤ ብጭቡጥ ኩነታት፤ ሓሳረ-መከራ ንኽወርዶ ስግኣት ዚስምዖ ሰብ እዩ። ብዙሓት ሃገራት፤ ሓንቲ ኣብ መንጕአን ድማ ሃገር ሽወደን፤ ዋላ ኣብዚ ውዕልዚ እቱዋት ንዘይኮኑ ሰባት ውን የዕቁባ እየን። ንኣብነት ኣብ ሃገሮም፤ ናይ ሞት-ፍርዲ ናይ ስቓይን መውቃዕቲን ወይ ካልእ ኢሰብኣዊ ወይ ናይ ውርደት ኣተሓሕዛ ዘስግኦም ዘጋጥሞም ሰባት እዮም። ኣብዚ http://www.manskligarattigheter.se/sv/de-manskliga-rattigheterna/vilka-rattigheter-finns-det/flyktingars-rattigheter?searchstatisticsId=7240, www.migrationsverket.se/info/skydd.html ብዝያዳ ኣንብብ።

ናብ ገጽ ኣገደስቲ ቃላት ኪድ

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ