Flyttanmälan (ኣድራሻ ናይ ምቕያር ምልክታ)

​ኣድራሻ ምስ እትቕይር ኣብቲ ሓድሽ ኣድራሻ ምእንቲ ክትምዝገብ ናብ ቤት ጽሕፈት ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ከተመልክት ይግባእ። ኣድራሻ ናይ ምቕያር ምምልካት ብነጻ ኮይኑ ብቀሊሉ ብሓገዝ ናይ ኢንተርኔት ወረቐት መንነት ይግበር ኣብነት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ቤት ጽሕፈት ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ሞቢል ባንክ መንነት ይኸውን። ኣድራሻ ከምዝቐየርካ ምስ ኣመልከትካ ቤት ጽሕፈት ኣታዊ ውሽጢ ሃገር እቲ ሓድሽ ኣድራሻ ናብ ኩለም መንግስታውያን ትካላት፣ ምምሕዳራትን ኣውራጃን ይዝርግሖ።

ብዙሓትትካላት ከም ዓበይቲ ባንክታትን ትካላ ትውሕስነትን እውን እቲ ሓድሽ ኣድራሻኻ ይረኽብኦ። ንውልቀ ሰባት፣ ማሕበትን ኣባለን ዝኾንካ ውድባትን ከም ጋዜጣታትን ኣድራሻኻ ክህልወ ንዘለወን ትካላትን ብዛዕብ ሓድሽ ኣድራሻኻ ባዕልኻ ትሕብረን።

ኣብ መርበብ ሓበሬታ ቤት ጽሕፈት ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ብዛዕባ ኣድራሻ ምቕያር ዝያዳ ሓበሬታ ኣምብብ።

ናብ ገጽ ኣገደስቲ ቃላት ኪድ

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ