Folkbokföring (ህዝባዊ-መዝገብ)

​ህዝባዊ-መዝገብ፤ እቲ ኣብ ሃገር ሽወደን ዚግበር፤ መሰረታዊ ናይ ህዝቢ ምዝገባ እዩ። ኣብቲ ህዝባዊ-መዝገብ፤ መነመን ኣብቲ ሃገር ከም ዚነብሩን፤ ኣበይ ከም ዚቕመጡን ተጻሒፉ ይርከብ። ኣበይ ቦታ ከም ዝተመዝገብካ፤ ኣብ ብዙሓት ንናትካ ግዴታን መሰላትን ትርጉም ዘሎዎ ጉዳይ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ካብኡ ንኣብነት መሰል ሓገዝ ስለ-ቖልዓን፤ ሓገዝ ክራይ-ገዛን ንምርካብ፤ ቀረጽ ኣበይ ከምትኸፍልን ኣበይ ከምትመርጽን። ኣብ ህዝባዊ-መዝገብ ጽሑፍ ብምዃንካ እዩ። ኣብቲ ህዝባዊ-መዝገብ ኵነታት ሓዳርካን፤ ካልእ ናትካ ግላዊ ሓበሬታታት ሓዳርን ቆልዑን ውን ይምዝገብ እዩ። ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ተመልከት።

ናብ ገጽ ኣገደስቲ ቃላት ኪድ

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ