Hemförsäkring (ውሕስነት-ገዛ)

​ኣብ ውሕስነት-ገዛ መብዛሕትኡ ግዜ፤ ብዙሓት ዓይነት ውሕስነታት ይጠቓለሉ እዮም። ገለ ካብቶም ክፋላት ንኣብነት፤ ውሕስነት ዚኽፈለካ ንዝተበላሸወካ ንብረት ወይ ንኣብ ልዕሌኻ ዝተፈጸመ መጕዳእቲ ወይ ንስኻ ንዝጐዳእካዮ ሰብ ካሕሳ መኽፈሊ ገንዘብ ምርካብ እዩ። ኣብ ውሕስነት-ገዛ እዚ ዚስዕብ ክተቓለል ይኽእል።

  • ናይ ንብረት ውሕስነት – ኣብ ንብረትካ፡ ዝተኻረኻዮ፡ ንባዕልኻ ክትጥቀመሉ ዝተለቃሕካዮ ነገር፤ ንዝስዓበ ጕድኣት ካሕሳ ይኽፈልካ።
  • ናይ ሓላፍነት ውሕስነት – ከም ግለ-ሰብ መጠን ንስኻ ክትሕሶ ንትግደድ ሰብ፤ ብውሕስነትካ ገንዘብ ይኽፈለልካ 
  • ሰብኣዊ-ውሕስነት ኣብ ግዜ ድንገት – ኣካላዊ መጕዳእቲ ምስ ዘጋጥመካ፤ ንኣብነት ተወቒዕካ ወይ ተዓሚጽካ ዚኽፈለካ ገንዘብ። 
  • ውሕስነት ሕጋዊ-ምክልካል – ምስ ሰብ ኣብ ነገር ምስ ትኣቱ፤ ናይ ንጠበቓ ዚክፈል ገንዘብ ትረክብ።
  • ውሕስነት-መገሻ –ኣብ ብዙሕ ውሕስነታት-ገዛ እትው ኮይኑ፤ ኣብ መገሻኻ ዝበለጸ ውሕስነት ዚህብ እዩ። ን45 ናይ መገሻ መዓልታት ዘገልግል እዩ።

ኣብቲ ንቡር ውሕስነት-ገዛ ብላዕሊ ክተእትዎ እትኽእል ካልእ ዓይነት ውሕስነታት ውን ኣሎ። ምናልባት ገለ ነገር ከየጋጥመካ፤ እቲ ዝበለጸ ምስታ ናይ ውሕስነት ኩባንያኻ ምዝርራብ እዩ።
ኣብዚ konsumenternas.se ብዝይዳ ኣንብብ። ወይ ኣብቲ ናይ ውሕስነት ኩባንያኻ ኣድራሻ ኢንተርነት ኣቲኻ ርአ።

ናብ ገጽ ኣገደስቲ ቃላት ኪድ

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ