Kronofogden (ቤትስልጣን መኽፈልቲ-ዕዳ)

​ቤትስልጣን መኽፈልቲ-ዕዳ ሓደ ብዛዕባ ናይ ዕዳታት ጉዳይ ዝሰርሕ፤ መንግስታዊ ቤትስልጣን እዩ። ቤትስልጣን መኽፈልቲ-ዕዳ፤  ነቲ ገንዘብ ክኽፈሎ ዝጠልብ ዘሎ ሰብ፤ ገንዘቡ ንኽረክብ ዝሕግዙ እዮም። እዚ ማለት ድማ፤ ካብቲ ብዓል-ዕዳ ዝኾነ ሰብ ገንዘቡ ከም ዝረክብ ዝገብሩ እዮም። ነቲ ዘሎካ ዕዳታት ምስ ዘይትኸፍል፤ ናብዚ ቤትስልጣን እዚ ክትቀርብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ቤትስልጣን ዚ ድማ፤ ነቲ ንዓኻ ገንዘብ ዚእውደካ ሰብ፤ ይሕግዞ ማለት እዩ። እዚ ቤትስልጣን ዚ፤ ነቲ ንዕዳ-መሰረዪ እተእትዎ ምልክታ ዚቕበል ውን ንሱ እዚ ቤትስልጣን ዚ እዩ። ኣብ ግዜ ጥፈሻ ነቲ ኣብ ምሕደራ-ጥፈሻ ዚግበር ስርሓት ዚቋመት ውን፤ ንሱ እዩ። ኣብዚ ዚስዕብ www.kronofogden.se/, www.kronofogden.se/fordigsom/harsvartattbetala/privatperson.4.2e56d4ba1202f95012080004206.html ብዝያዳ ክተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ናብ ገጽ ኣገደስቲ ቃላት ኪድ

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ