Oskrivna regler (ኣብ ጽሑፍ ዘይሰፈረ ሕጊታት)

​ኣብ ጽሑፍ ዘይሰፈረ ሕጊታት ማለት፤ እቲ ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ቅቡል ዝኾነ ባህርዪ ወይ ማሕበራዊ ናይ ጠባያት መምርሒ ክበሃል ይካኣል እዩ። እዚ ማለት ድማ፤ እቲ ኣብ ሕብረትሰብ ምስ ካልኦት ሰባት ክተራዮ ትጽቢት ዝግበረልካ ጠባይ እዩ። ኣብ ጽሑፍ ዘይሰፈረ ሕጊ ማለት፤ እቲ ኣብ ሓደ ናይ ሕጊ መጽሓፍ ዘየሎ፤ ግንከ ደቂ-ሰባት ክስዕብዎ ትጽቢት ዚግበረሎም ሕጊታት እዩ። እቲ ነቶም ዘይተጻሕፉ ሕጊታት ዘይስዕብ ሰብ፤ ከም ሓደ ዘይንቡር ሰብ ይሕሰብ። ምኽንያቱ ነቲ ልሙድ ስርዓት የፍርስ ስለ ዘሎ። ንኣብነት ሓደ ሰብ ሰላምታ ክህበካ ከሎ፤ ንስኻ ውን ሰላምታ ተቕርብ። ኣብ ርእሲኡ ውን ምስ ካልኦት ሰባት ተኣዲብካ ትቐርብ። መጻሕፍቲ ብ Den Svenska Koden av Silvia Nilsson Puccio, Uli Bruno & Maria Bengts: www.knowware.se ዝተጻሕፉ ኣንብብ።

ናብ ገጽ ኣገደስቲ ቃላት ኪድ

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ