Pension (ጥሮታ)

​መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ጥሮታ ተባሂሉ ዚዝረበሉ፤ ነቲ ናይ ሽምግልና ጥሮታ እዩ። ናይ ሽምግልና ጥሮታ እትቕበል፤ ሸምጊልካ ክትሰርሕ ስለ ዘይትኽእል፤ ብናይ ዕደመ ጥሮታ፤ ካብ ስራሕ-ዓለም ክትሰናበት ከሎኻ እዩ። ናይ ሽምግልና ጥሮታ ገንዘብ፤ እቲ ወሃብ-ስራሕ ተገዲዱ፤ ብመልክዕ ግብሪ ናብ መንግስቲ ዚኽፈሎን፤ ባዕልኻ እተዋህልሎልን እዩ። እዚ ጥሮታ ዚበሃል፤ ከም ሓደ ጸኒሕ-ደሞዝን፤ ናይ ስርዓተ-ጥሮታን ከምኡውን ውሕስነት ውን ዘጠቓልል ጉዳይ እዩ። ንኣብነት እዚ ማለት ድማ፤ ህይወትካ ዋላኳ ካብቲ ገምጋማዊ-ዕድመ እንተ ልዓለ፤ ክሳዕ መወዳእታ ጥሮታ ይኽፈለካ እዩ። ኣብ ግዜ ሞት ውን ነቶም ተረፍቲ ዚወሃብ ገንዘብ እዩ። ካልእ ዓይነታት ጥሮታታት፤ ከም ናይ ሕማም-ጥሮታ፤ ቅድመ-ጥሮታ ውን ኣሎዉ። ኣብዚ www.pensionsmyndigheten.se ብዝያዳ ኣንብብ።

ናብ ገጽ ኣገደስቲ ቃላት ኪድ

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ