Personförsäkring (ግለዊ ሰብኣዊ-ውሕስነት)

​ግለዊ ሰብኣዊ-ውሕስነታት ከም ተወሳኺ ናይቲ ማሕበራዊን ውዕላዊን ውሕስነታት ዝኸውን እዩ። ግለዊ ሰብኣዊ-ውሕስነታት ብነንበይኑ ዝኾነ ንኣሽቱ ውሕስነታት ዝቖመ ኮይኑ፤ መብዛሕትኡ ግዜ እቶም መሰረታውያን ዝኾኑ፤ ናይ ሓደጋ-ውሕስነትን ናይ ሕማም-ውሕስነትን እዮም። እቲ ግለዊ ሰብኣዊ-ውሕስታት ንምግባርካ ዚውስኖ፤ እቲ ቁጠባኻን፤ እቲ ንዓኻ ዘለዎ ኣድላይነትን እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ብኣባልነት ማሕበር-ሰራሕተኛታት ጌርካ ጉጅላዊ-ውሕስነት ትኣቱ ኢኻ፤ ወይውን ወሃብ ስራሕ ነቶም ዚደልዩ ጉጅላዊ-ውሕስነት ይገብረሎም እዩ። ባዕልኻ ውን ግለዊ ሰብኣዊ-ውሕስነታት ክትኣቱ ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ዚስዕብ ብዝያዳ ክተንብብ ትኽእል ኢኻ። Hallå konsument, konsumenternas.se ወይውን ምስ ናይ ውሕስነትካ ኩባንያ ርክብ ግበር።

ናብ ገጽ ኣገደስቲ ቃላት ኪድ

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ