Räkningar (ዚኽፈል-ዕዳ)

​ዚኽፈል-ዕዳ ማለት ልክዕ ከም ሓደ ዝመጸካ ፋክቱራ ማለት እዩ። ዚኽፈል-ዕዳ እቲ ንኽትከፍል ብጽሑፍ ዝመጸካ ጠለብ እዩ። ሓደ ነገር ምስ ገዛእካ፤ ሽዑ-ንሽዑ ምስ ዘይትኸፍሎ፤ መኽፈሊ-ዕዳ (ፋክቱራ) ይልኣኸልካ። ብዙሕ ጊዜ ብቡስጣ እዩ ዚልኣኸልካ። ኩሉ ዚኽፈል-ዕዳታት፤ ከም ክራይ-ገዛ፤ ዕዳ-ኤሌትሪክ፤ ናይ ቲቪ-ኣቡድ ወዘተ ከምጸካ ይኽእል እዩ። ነቲ ዕዳኻ ኣብ ግዚኡ ምኽፋል ይግብኣካ፤ ምስ ዘይትኸፍል ግን፤ ናብ ዝበዝሐ ዕዳ ክትኣቱን ወይውን ናብ መንግስታዊ መኽፈልቲ-ዕዳ ክትምዝገብን ትኽእል ኢኻ። እቲ ናይ ምኽፋል ዕለት ዝወድቀሉ ግዜ፤ ማለት እቲ ናይ መጨረሽታ ክትከፍለሉ ዘሎካ ዕለት፤ ኣብቲ ፋክቱራ ሰፊሩ ኣሎ። እቲ ዝበለጸ ብናትካ ባንክ ብንተርነት (ኢንተርነት-ባንክ) ክኽፈል ከም ዚኽእል ምግባር እዩ። እቲ ኣዝዩ ዝቐልጠፈን ዝሓሰረን ናኦ ዕዳ ኣከፋፍላ እዩ። ኣብ ባንካ ወይ ኣብ ቤትቡስጣ ኬድካ ውን ክኽፈልዝክኣል ኮይኑ፤ እዚ ግን ንነፍሲ-ወከፍ ዕዳ ክፍሊት ስለ ዘለዎ፤ ኣዝዩ ክቡር ዋጋ ክኾነካ እዩ። ኣብዚ http://www.hallakonsument.se/pengar-och-ekonomi/lana-pengar/svarigheter-att-betala-lanet/ ከምኡ ውን http://www.swedishbankers.se/fraagor-vi-arbetar-med/betalningar/e-faktura/ ብዝያዳ ኣንብብ።

ናብ ገጽ ኣገደስቲ ቃላት ኪድ

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ