Reseförsäkring (ውሕስነት-መገሻ)

​ውሕስነት-መገሻ ዚበሃል፤ እቲ ኣብ ወጻኢ-ሃገር መገሻኻ ምናልባት እንተ ሓመምካ ኢልካ እትኣትዎ ውሕስነት እዩ። ዜጋታት ሕብረት-ኤውሮጳ፤ ኣብ ካልእ ኣባል ሕብረት-ኤውሮጳ ሃገር ከይዶም፤ ብግብሪ ዚምወል ናይ ህጹጽ ረድኤት ሕክምና ምርካብ፤ መሰል ኣሎዎም። ንሕክምና ናይ ጥንሲን ሕርሲን ዚግበር ወጻኢታት ውን፤ ከም ናይ ሕጹጽ ረድኤት ኣገልግሎት ሕክምና እዩ ዚቝጸር። (ኤውሪጳዊ ሰነድ ውሕስነት ሕማም)። ንናይ መገሻ ውን ዘጠቓልል፤ ውሕስነት-ገዛ ምስ ዚህልወካ፤ እዚ ን45 መዓልታት ኣኩል ውሕስነት ይህበካ እዩ። ካብኡ ንዝነውሕ ግዜ ምስ ትጸንሕ፤ መመላእታ ውሕስነት-መገሻ ምግባር ከድልየካ ይኽእል እዩ። ካሳ ውሕስነት ብዛዕባ ኣብታ ትገሸላ ዘለኻ ሃገር እንታይ ከምድልየካ ሓበሬታ ኣለዎ።
ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ናትካ ትካል ውሕስነት ወይ ከኣ ኣብ konsumenternas.se ተመልከት።

ናብ ገጽ ኣገደስቲ ቃላት ኪድ

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ