Socialbidrag (ሓገዝ እንዳ ሶሻል)

​ኣብዚ ግዜዚ እቲ መተሓዳደሪ-ሓገዝ ዚብል ቃል እዩ ዝጥቀም ዘሎ። እዚ መተሓዳደሪ-ሓገዝ በቲ ሓደ ሸነኽ፤ እቲ ሃገራዊ ምዱብ-ገንዘብ በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ፤ ኣብኡ እትው ዘይኮነ ካልእ ምኽንያታዊ ወጻኢታት ዘጠቓልል እዩ። ኣብቲ ሃገራዊ ምዱብ-ገንዘብ፤ እቲ ከም ናይ ኩሉ ሰብ ወጻኢታት ኮይኑ፤ ንኣብነት ከም መግቢ፤ ክዳን፤ ጽሬት ወዘተ ዘጠቓልል እዩ። መተሓዳደሪ-ሓገዝ እቲ ንሓደ ኣብ ግዚያዊ ቁጠባዊ ሽግር ዝወደቐ ሰብ፤ ከም ናይ መወዳእታ ዑቕባዊ-መርበብ ከገልግል ዚግባኦ ቁጠባዊ-ሓገዝ እዩ። መተሓዳደሪ-ሓገዝ ዚበሃል፤ እቲ እኹል ገንዘብ ዘይብልካ ምስ ትኸውን፤ (ንኣብነት ንመግቢን ክራይን) እትቕበሎ ገንዘብ እዩ። ነቲ ቁጠባዊ-ደገፍ ከም መተሓዳደሪ ገንዘብ ክወሃበካ፤ ኩሉ እዋን ምልክታ ክተእቱ ይግባእ። ሰብ ብኽንደይ ገንዘብ ክመሓደር ከም ዘለዎ፤ ኣብ ብሳኔ ዝኣተወ እዩ። መተሓዳድሪ-ገንዘብ ንምርካብ ምስ ተመልክት፤ እቲ ቤትስልጣን ማሕበራዊ ኣገልግሎት፤ ናብቲ ንዓኻ ዘድልየካ ብዝሒ እዩ ዚጥምት። ሰባት ብቐዳማይ ደረጃ፤ ሓላፍነት ናይ ገዛእ-ህይወቶም ክወስዱ እዩ። እዚ ማለት ድማ፤ ሓደ ሰብ ቅድሚ ቲ ሓገዝ ናይ ምርካብ መሰሉ ምርግጋጽ፤ ነቲ ናይ መተሓዳደሪኡ ወጻኢታትን ካልእ ኣድላይነቱን፤ ብገዛእ ዓቕሙ ንምኻኣል ክጽዕር ይግብኦ። እቲ ክሰርሕ ዚኽእል፤ ክሰርሕ ግዴታ ኣሎዎ። ኣብ ባንክ ገንዘብ ምስ ዚህልወካ ወይ ንብረት ከም (ማኪና፡ ቤት፡ ጃልባ ወዘተ) ምስ ዚህልወካ፤ ቁጠባዊ ሓገዝ ንኸይትረክብ ይክኣል እዩ። ብቐዳምነት ሰብ፤ ነቲ ኪርከብ ዚክኣል፤ ካልእ ዕድላትን ሓገዛትን ንኣብነት ከም፤ ሓገዝ ክራይ-ገዛን ደሞዝ-ወለዲን ክሓትት ኣሎዎ። መተሓዳደሪ-ገንዘብ ንምርካብ እትሓትት፤ ኣብቲ ኣብ ኮሙንካ ዚርከብ፤ ቤትስልጣን ማሕበራዊ-ኣገልግሎት ኮይኑ፤ (ኣብቲ ናይ ኮሙን ኣድራሻ ኢንተርነት ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ)። ቤትስልጣን ማሕበራዊ-ኣገልግሎት፤ ነቲ ዘእተኻዮ ምልክታ ክጸሉ ዚኽእል፤ ናይ ኩሉ እቲ ቁጠባዊ-ሃለዋትካ ሓበሬታታት፤ ንኣብነት እቶትካ፤ ንብረትካ፤ ወጻኢታትካ ወዘተ ምፍላጥ የድልዮ እዩ። ኣብዚ ዚስዕብ www.socialstyrelsen.se/ekonomisktbistand/forsorjningsstod,
www.socialstyrelsen.se/ekonomisktbistand/utlandskamedborgare

ናብ ገጽ ኣገደስቲ ቃላት ኪድ

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ