Svartjobb (ዘይሕጋዊ (ጸሊም) ስራሕ)

ብጸሊም ምስራሕ ማለት ካብ እቶትካ ቀረጽ ኣይትኸፍልን ማለት እዩ። ሕብረተሰብ ኩሎም ሰራሕተኛታት ቀረጽ ክኸፍሉ ኣለዎም ኣብ ዝብል እዩ ሰረት ዝገብር። ቀረጽ ንሕክምና፣ ትሕተ ቅርጺ፣ ክንክን ኣረጋውያንን ኩሎም ዜጋታት ዝግልገልሉ ማሕበራዊ ውሕስና እዩ ዝውዕል። ብጸሊም ምስ እትሰርሕ ብሽምካ ገዛ ክትረክብ ወይ ከኣ ቀስ ኢልካ ትኸፍሎን ተለቂሕካ ክትገዝእ ኣጸጋሚ ይኸውን። ኣካረይትን ትካላትን መብዛሕቲኡ ግዚዜናይ ስራሕ መረጋገጺ ወረቐት እዮም ዝሓቱ።  
 
ብጸሊም ንእትሰርሕ:
•   ናይ ስራሕ መረጋገጺ ወረቐት እንተዘይብልካ ቅኑዕ ደሞዝ ኣይክህልወካን እዩ
•   ስራሕ ኣልቦ ምስ እትኸውን መተካእታ ደሞዝ ኣይህልወካን
•   ደሞዝ ኣብ ግዜ ሕማምን ኣብ ግዜ ዓመታዊ ዕረፍትን ኣይህልወካን
•   ደሞዝ ኣብ ግዜ ሕማምን ምስ ደቅኻ ኣብ ገዛ ኣብ ትውዕለሉን ኣይህልወካን
•   ትሑት ጥሮታ ይህልወካ
•   ኣብ ነብስኻ ይኹን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሓደጋ ምስ እተውርድ ውሕስነት የብልካን፣ ወይ ከኣ እናሰራሕካ ገለ ነገር ምስ ዝስበረካ

ናብ ገጽ ኣገደስቲ ቃላት ኪድ

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ