Underhållsbidrag (ቀለብ-ቆልዓ)

​ቀለብ-ቆልዓ ዚበሃል፤ እቲ ምስ ደቁ ብሓደ ዘይነብር ወላዲ፤ ንውላዱ መተሓዳደሪ ዚኸውን ዚኸፍሎ ገንዘብ እዩ። እዚ ድማ ሓባራዊ ወይ ወይ ውልቃዊ ናይ ምዕባይ ሓላፍነት ከም ዘሎካ ብዘየገድስ እዩ። እቲ ቆልዓ እናተመላለሰ ብማዕርነት ምስ ክልቴኹም ዚቕመጥ ምስ ዝኸውን ግን፤ ክልቴኹም ቀለብ-ቆልዓ ናይ ምኽፋል ግዴታ ኣይህልወኩምን እዩ። ቀለብ-ቆልዓ ናይ ምርካብ መሰል ዘለዎ እቲ ቆልዓ እዩ። እቲ ገንዘብ ዚቕበል ግን፤ እቲ ነቲ ቆልዓ ዘተሓዳድር ወላዲ/ት እዩ/ያ። ከም ልሙድ ወለዲ ናይ ቆልዓ ናይ ምትሕድዳር ሓላፍነት ዘለዎም፤ ክሳብ እቲ ውላድ 18 ዓመት ዚመልኣላ ዕለት እያ። ወለዲ ናይቶም ኣብ ናይ ጂምናስዩም ትምህርቲ ወይ ተመሳሳሊ ዚቕጽሉ ቆልዑ ግን፤ ክሳብ እቲ ውላድ 21 ዓመት ዝመልኣላ ዕለት፤ ናይ ምትሕድዳሮም ሓላፍነት ይህልዎም። ኣብዚ https://www.forsakringskassan.se/privatpers/foralder/for_foraldrar_som_inte_lever_ihop ብዝያዳ ኣንብብ።

ናብ ገጽ ኣገደስቲ ቃላት ኪድ

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ