Falun

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ፋሉን 56,000 ተቐማጦ ዘለዋ ዝዓበየት ከተማ ደላርና እያ። ንሳ ካብ ቡላንገ፡ ከምኣ ዓባይ ከተማ ዝኾነት፡ 19 ኪ/መ ርሒቓ ትርከብ። ካብኣ ንስቶክሆልም 224 ኪ/መ እዩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ፋሉን ውሕስነት ዘለዎን ጥቓ ተፈጥሮን ቀላያትን ዝኾነን ናይ መንበሪ ቦታ ኣለዋ። ንፋሉን ፍሉይ ዚገብራ ምስ እተፈላለያ ማሕበራትን ዋኒናትን ሓቢራ ብምስራሓ እዩ። በዚ ምኽንያትዚ ድማ እቲ ናብ ሽወደን ሓድሽ መጻኢ ዝኾነ ሰብ ምስቶም ኣብኡ እተወልዱ ሽወደናውያን ጥቡቕ ርክብ ንኺገብር የኽእሎ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ፋሉን ኩሉ ዓይነት መንበሪ ኣባይቲ ኣሎ። ነኣሽቱ ገዛውትን ኣፓርትማን፡ ንምክራይ ወይ ንምዕዳግ። ናይ ተመሃሮ መንበሪ ኣባይቲውን ኣሎ። ኮፐርስታደን Kopparstaden ናይቲ ኮምዩን ትካል ክራይ ኣባይቲ እዩ። ግሩም መንበሪ ድማ የቕርብ። ኮፐርስታደን ጥቓ መንበሪ ኣባይትን ማሕበራትን ኮይኑ ብምስራሕ ኣብ መንጎቶም ኣብ ሽወደን እተወልዱን ኣብ ወጻኢ እተወልዱን ጽቡቕ ዝምድና ንምፍጣር ይነጥፍ። መንበሪ ቤት ንምዕዳግ ትሓስብ እንተ ኣሎኻ ኣብ ፋሉን ዘሎ መንበሪ ኣባይቲ ከምቶም ናይ ዓበይቲ ከተማታት ክቡር ኣይኮነን።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

እቶም ኣብ ፋሉን ዚነብሩ 10% ወጻእተኛታት ብዙሓት ብሔራት ይርከቡዎም። ዝበዝሑ ካብ ስካንዲናቭያን ኤውሮጳን ዚመጹ ኪኾኑ ከለዉ፡ ካብ እስያን ኣፍሪቃን ድማ ኣለዉ፡ ስለዚ ከም ዓረብ፡ ሶማልን ኩርድን ሶራኒን ኩርማንጅን ታይላንድን ዝኣመሰሉ ቋንቋታ ኣለዉ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ፋሉን ብዙሓት ማሕበራት ኣለዋ፡ ዝበዝሓ ከኣ ኣብ ስፖርትን ሃይማኖትን ኣብ መስተ ዘይምስታይን ኣብ ሙዚቃን እተመስረታ እየን። ኣብ ቡላንገ፡ ካብ ፋሉን 20 ኪ/መ ርሒቓ እትርከብ፡ ናይ ሶማል ማሕበር ኣሎ። ኣብ ቡላንገ መስጊድውን ኣሎ፡ ከምኡውን ናይ ቡዲዝም ቤትመቅደስ (ኣብ ኡልቭስሂታን እተባህለት ቁሸት)። ኣብ ፉሉን ናይ ካቶሊክ ቤትክርስትያንን ደብርን እውን ኣሎ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ፋሉን ናይ ወረዳ ከተማ እያ፡ ግሩም ሰንትሩም ምስ ዓበይትን ነኣሽቱን ድኳናቱን፡ ከምኡውን ናይ ዕዳጋ ጎደናን፡ ካብቲ ከተማ ውጽእ ኢልካ ድማ ዓቢ ናይ ዕዳጋ ቦታ ኣሎ። ኣብ ፋሉን እተፈላለየ ባህላዊ ንጥፈታት ኣሎ፤ ተያትር፡ ኦርከስትራ፡ ቤተመዘክርን ቤትንባብን።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ እዋን በዓል ብዙሓት ሰባት ኣብ ማእከል ፋሉን።

ናይ ፋሉን ኮምዩን ነቶም ሓደስቲ መጻእቲ ማሕበረሰብኣዊ ሓበሬታ ይህብ፡ ከምኡውን በቶም ኣብ ናይ ስራሕ ዕዳጋን ምውህሃድን ቤትጽሕፈት ዚሰርሑ ናይ ስደተኛታት ተሓበርቲ Arbetsmarknads- och integrationskontoret ተግባራዊ ሓበሬታ ይወሃብ። እቲ ኮምዩን ምስ ሓንቲ ናጻ ቤትክርስትያን (ሉግነትስሺርካን) ኮይኑ ንሓደስቲ መጻእቲ ምስቲ ዓዲ ዘላልዩ ስድራቤታት ዘዳሉ ፕሮጀክት ኣለዎ።

ኢከያ ካብ ፋሉን 20 ርሒቑ ኣብ ቡላንገ ይርከብ። ኣብ ፋሉን፡ ሓራጃትን ናይ እተደርበየ ምሕዳስ ድኳንን "Ta till vara" ኩሉ ዓይነት ኣቕሑ ገዛውትን ክሽነን ጃርዲንን ወዘተ. ዚርከቦ ሰከንድሃንድ ቡቲክን ኣሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ኤልስቦርይ ማእከል ጥዕና ጥቓ ዞና ያርነት፡ ጥቓ ሰንትሩም፡ ክፉት ናይ ህጻናት ቤትትምህርቲ ኣሎ። ኣብኡ ኣብ ሽወደን እተወልዱን ኣብ ወጻኢ እተወልዱን ኣደታትን ኣቦታትን ይራኸቡ። ኣብኡ ሽሕኳ ጌና ኤስኤፍኢ ዘይጀመርካ እንተ ኾንካ፡ ሽወደን ንኽትፈልጥ ትመሃር። ነቶም ደቆም መዓልታዊ ክንክን ኪግበረሎም ዚደልዩ ብዙሕ ኣብያተትምህርቲ ህጻናትን ናይ ስድራቤት መውዓልን ኣሎ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ፋሉን 27 ኮሙናዊ መባእታን 3 ከኣ ንፍሉይ ሓገዝ ዚደልዩ ህጻናት ዝዓለማን ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ።4 ብሕታውያን መባእታ ኣብያተትምህርቲ ከኣ ኣለዋ።2 ኮሙናውን 6 ብሕታውን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ።

ፋሉን ነቶም ኪዝምሩ ወይ ሙዚቃ ኪጻወቱ ድሌት ዘለዎም ህጻናት ብወለዶም ዚምዝገቡሉ ቤትትምህርቲ ሙዚቃ ኣሎ።

ዕድላት ትምህርቲ

ብዛዕባ ናይቲ ኮምዩን ትምህርቲ ንዓበይቲ ሓበሬታ ኣብቲ ናትና ወብሳይት ተመልከት። ኣብ ኮለጅ ክትመሃር ምስ እትደሊ ናይ ዳላርና ኮለጅ ኣሎ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ፋሉን ኮምዩን ኣርባዕተ ማእከላት ጥዕና ኣለዋ። ናይ ፋሉን ሆስፒታል ኣብ ዳላርና እቲ ዝዓበየ እዩ። ኣብኡ ድማ ብዙሓት ክኢላታት ሓከምቲ ኣለዉ። ኣብኡ ናይ ህጹጽ ረድኤት መቐብሊ ኣሎ። ኣብቲ Elsborgs familjecentral ናይ ኤልስቦርይ ፋሚልየሰንትራል ናይ ኣደታትን ህጽናትን ክሊኒክ ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ነንሕድሕድና ክንረዳዳእ ምስ እንደሊ ከከም ኣድላይነቱ ተርጓማይ ነምጽእ። እዚ ከኣ ኣብ ስራሕ፡ ቤትትምህርቲ፡ ትካላት ኣብ ምብጻሕ ግዜን ኣብ ትካላት ሕክምናን ኣድላዪ ይኸውን።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ባቡር ካብ ማእከል ፋሉን ብየቭለን ቡርሊንገን ገይራ ናብ ስቶክሆልም ትኸይድ። ካብቲ ናይ ቡርለንገ ዳላ መዓርፎ Dala Airport ነፈርቲ ቀጥታ ናብ ስቶክሆልምን ዮተቦሪ ወይ ማልመ ክትበርር ትኽእል። ኣብቲ ኮምዩን ይኹን ናብቲ ጎረቤት ኮምዩናት ዝኸዳ እኹላት ኣውቶቡሳት ኣለዋ።ዳላርትሪፊክ Dalatrafik ነቲ ናይ ኣውቶቡሳት መስመራት የመሓድሮ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ፋሉንን ዳላርናን ኣብዘን ቀረባ ዓመታት ብዙሓት ኣብ ጥሮታ ኪኣትዉ እዮም። ተሓጋገዝቲ ነርስታት፡ ነርስታት፡ ሓከምቲ፡ ናይ ኮምፕዩተር ተክኒካውያንን ኢንጂነሪታትን ስራሕ ንኺረኽቡ ዓቢ ዕድል ኣሎ። ይኹንምብር፡ ኣብ ኢደጥበብውን ኣብ ፋሉንን ኣብ ካልኦት ክፍልታት ዳላርና ናይ ስራሕ ዕድል ኪህሉ እዩ።

ኣብ ፋሉን ናይ ቋንቋ ኮለጅን ካብ እተፈላለየ ባህላታት ዝመጹ መምህራንን ኣለዉ። ዋኒን ክትጅምር ምስ እትደሊ ንናይቲ ኮምዩን ቁጠባዊ ቤትጽሕፈት kommunens näringslivskontor ተወከስ።