Sunne

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ሱነ ኣብ ቬርምላንድ ትርከብ ደስ ዘብል ተፈጥሮን ሃብታም ባህልን ተቐበልቲ ኣጋይሽ ሰባት ዝነብሩላን ቦታ እያ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

"ልብና ኣብ ሱነ - ብሓባር ነንሕድሕድና ንተሓጋገዝ፡ Med hjärtat i Sunne – tillsammans hjälper vi varann"፡ መን ምዃንካ ወይ ካበይ ከም ዝመጻእካ ብዘየገድስ ርክብ ኣብ መንጎ ሰባት ዝፈጥር ሓደ ሰፊሕ ናይ ነበርቲ ሱነ ናይ ርክብ መርበብ እዩ። ወለንተኛታት ሓይልታት ንሱነ ኮሙን ናይ ኵሉ ሰብ ማዕረ ክብሪ ትሑዝ ከም ዝኾነን ብዝያዳ ተቐባሊት ጋሻ ከም ትኸውንን የበርክቱ።

መንበሪ-ገዛ

ምሉእ ጥዕና ክህልወካ ወይ ውን ክስመዓካ፡ እትነብረሉ ገዛ ኣዝዩ ምቹእ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ከተማ ሱነ ብርክት ዝበለ ዝካረ ኣባይቲ፡ ቪላታት ከምኡ ውን ዝሽየጥ ገዛውቲ፡ ይርከብ። ኣብ ከተማ ሱነ ገዛ ክትካረዩ ንእትደልዩ፡ ኣብዚ ዝስዕብ መርበብ-ሓበሬታ እኹል ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ኣብ ሱነ፡ እታ ዝበዝሐ ክራይ ኣባይቲ ዘለዋ ብምምሕዳር ከተማ እትወነን ትካል ሱነ-ቡስቴደር ተባሂላ ትጽዋዕ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ከተማ ሱነ፡ ብቋንቋ ኢራን ዝወሃብ ናይ ቋንቋ-ኣደ ትምርህቲ ኣሎ። ብቋንቋታት ዓረበኛ፡ ፊንላንድ፡ ራሻን ፈረንሳይን ውን ተመሳሳሊ ትምህርቲ ይወሃብ።

ኣብ ኣብያተ-ትምህርታት ናይቲ ከተማ፡ ካብ ኣዚለ ክፍሊ ክሳብ ኣብ ናይ ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ ኣብ ዝወሃብ ኣብያተ ትምህርታት፡ ናይ ቋንቋ-ኣደ ትምህርቲ በዘን ዝስዕባ ቋንቋታት ይወሃብ፡ ኣልባንያ፡ ዓረበኛ፡ ደንማርክ፡ ዳሪ፡ እንግሊዘኛ፡ ፍሊፒን፡ ፊንላንድ፡ ፈረንሳይ፡ ሆላንድ፡ ቻይና፡ ኩርዲ፡ ሌትላንድ፡ ሊትወንያ፡ ማንዳሪን፡ ኖርወይ፡ ፓሽቱ፡ ኢራን፡ ፖርትጓል፡ ሩማንያ፡ ራሻ፡ ሶማለኛ፡ ስፓኛ፡ ታይ፡ ቱርኪ፡ ጀርመንን ጾሳን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ከተማ ሱነ፡ 120 ዝተፈላለያ ንጡፋት ማሕበራት ኣለዋ። ኣብቲ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ሱነ ዝርከብ መዝገብ-ማሕበራት ብምእታው፡ ተወሳኺ ዝርዝራት ትረኽቡ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ማእከል ወይ ሕምብርቲ ከተማ ሱነ፡ መቐበሊ ምምሕዳር ከተማ፡ ቤት-ንባብ፡ ቤት-ጽሕፈት ማሕበራዊ-ጉዳያት፡ ክፍሊ ዕዳጋ-ስራሕ፡ ፋርማሲ፡ ሲነማ፡ ቤተ-ክርስትያን፡ ብኣርቲፊሻል-ሳዕሪ ዝወቀበ ሜዳ-ኩዕሶ፡ ህንጻ ስፖርታዊ ንጥፈታት፡ ህንጻ ጸወታታት-በረድ ከምኡ ውን ዕጹው ሜዳ ወይ መጻወቲ ኩዕሶ፡ ማእከል ስፖርታዊ ንጥፈታት፡ ሜዳታት ቴንስን ጎልፍን፡ ማእከል ኣካላዊ ምንቅስቓስ፡ ማእከል ሳውና፡ ኣብያተ-መግብን እንዳ-ሻሂታት፡ እንዳ-ቐምቃማይን ኣስታት 90 ዝኾና ድኳናትን፡ ይርከባ።

ድኳናት ሃምስተርቡኣን ዩቨለንን፡ ብሕሱር ዋጋ ዝሽየጥ ዘገልገለ-ንብረት፡ ክዳውንትን ካልእን ይሸጣ።

ኣብ ከተማ ሱነ፡ ኣስታት 850 ትካላትን፡ ኣስታት 120 ንጡፋት ማሕበራትን ይርከባ። እዘን ማሕበራት እዚኣተን ንህወት ከተማ ሱነ ኣብ ምምዕራግ ወሳኒ ተራ ይጻወታ።

ኣብ እዋን ክረምትን እዋን በረድን፡ ከተማ ሱነ ብርክት ዝበሉ በጻሕቲ ይመጽኡዋ። እዞም በጻሕቲ እዚኣቶም፡ ተሳተፍቲ ኮንፈረንሳትን በጻሕትን ይርከብዎም። እብ ከተማ ሱነ ዝርከባ ሆቴላት ኣስታት 1000 ዝኾኑ ሰባት ናይ ምእንጋድ ዓቕምታት ኣለወን። ቤት-ጽሕፈት ዕዮ (ኣርበትስፎርመድሊንገን) ኣብ ከተማ ሱነ ክህሉ እንከሎ፡ ቤት-ጽሕፈት ማዕከን ማሕበራዊ-ውሕስነት (ፎርሸክሪንግስካሳን) ከኣ፡ ኣብ ከተማ ካርልስታድ ኣገልግሎት ዝህበሉ ቤት-ጽሕፈት ኣለዎ። ኣብዚ ኣብ ካርልስታድ ዝርከብ ቤት-ጽሕፈት ብምኻድ፡ ንፎርሸክሪንግስ-ካሳ፡ በዓል-መዚ ቀረጽ (ስካተ-ቨርከት) ወይ ውን በዓል-መዚ ጡረታ ዝምልከት ጉዳይ ምስ ዝህልወኩም፡ ኬድኩም ክትሓቱ ትኽእሉ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ከተማ ሱነ፡ 13 ኣብያተ-ትምህርትን ብርክት ዝበላ፡ ነቶም ካብ 1 ክሳብ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ዘአንግዳ፡ ማእከላት መውዓሊ-ህጻናትን ኣለዋ። ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ሱነ ብምእታው ተወሳኺ ነዚ ዝምልከት ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ማእከል-ስድራቤታት፡ ቆልዑ ምስ ካልኦት ቆልዑ ወለዲ ውን ምስ ካልኦት ወለዲ ዝራኸቡሉ ማእከል እዩ። እዚ ማእከል ስድራ-ቤታት ብምትሕብባር ክፍልታት ጥዕና ኣዴታት ህጻናትን፡ ክፉት ቤት-ትምህርቲ ህጻናት ቤት-ጽሕፈት ማሕበራዊ-ጉዳያትን፡ ዝእለ ማእከል እዩ። ኣብዚ ማእከል'ዚ፡ ክፉት መውዓሊ-ህጻናትን ናይ ህጻናት ካፌን ከም ዝእንገድ ይግበር።

ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃን ኣብያተ-ትምህርቲ

ኣብ ከተማ ሱነ፡ 9 ኣብያተ-ትምህርታት ኣለዋ። እዘን ኣብየተ-ትምህርታት ካብ ኣዚለ ክፍሊ ክሳብ ሻዱሻይ ክፍሊ ትምርህቲ ዘአንግዳ፡ 2 ናይ ማእከላይ ደረጃን ሞያዊ ትምህርትን፡ ሓንቲ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምርህቲ ይርከብአን። ብዜካ እተን ብመንግስቲ ዝውነና፡ ሓንቲ ኣብ ተፈጥሮን ከባቢን ዘትኮረ ትምርህቲ እትህብ ነጻ ናይ ግሊ ቤት-ትምህርትን፡ ሞያዊ ትምርህቲ ኣብ ምሃብ እትነጥፍ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርትን፡ ይርከባ።

ኣብ ማእከል ከተማ ሱነ ናይ ካልኣይ ደርጃ ኣብያተ ትምህርትታት ብሮቢ ከምኡ ውን ቤት-ትምህርቲ ሶድራ-ቪከንን ይርከባ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኩሉ ነባሪ ከተማ ሱነ፡ ልክዕ ከም ሽወደናውያን ማዕረ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ኣለዎም። መሰል ክንክን ወይ መውዓሊ-ህጻናት፡ መባእታዊ ቤት-ትምህርቲ፡ ናይ ማእከላይ-ደረጃ ትምህርቲ ወይ ውን ፍሉይ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ንኹሎም ሓደስቲ ነባሮ፡ ስድራ ዘይብሎም ትሕቲ-ዕድመ ህጻናት፡ ፍቓድ ዘይብሎምን ሓተቲ ዑቕባን ብማዕረ ክግልገሉሉ መሰል ኣለዎም።

ኣብ ከተማ ሱነ ሰፊሕ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ኣሎ። ማእከል-ትምህርቲ ላር-ሰንትሩም፡ ምስ ድልየታትኩም ዝሳነ፡ ኣብቲ ከተማ ይኹን ካብኡ ወጻኢ ዝወሃብ ትምህርቲ ኣብ ምምራጽ ክተሓባበርኩም ይኽእል። ኣብ ከተማ ሱነ፡ ሞያዊ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ፡ ኣላ።

ኣብ ከተማ ሱነ፡ ኣብ ዝመጻእኩሞ እዋን ክትጽንበርዎ እትኽእሉ፡ ናይ ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ (ኤስ.ኤፍ.ኢ) መደብ ትምህርቲ ኣሎ። ሓደ ሰብ፡ ናይ ሽወደን ውልቃዊ መለለዪ-ቁጽሪ (ፐርሹን-ናምበር) ድሕሪ ምውሳዱ፡ ቀልጢፉ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ ምምሃር ክጅምር ይኽእል እዩ። ተመሃሮ፡ ንትምህርታዊ ድሕረ-ባይትኦም ኣብ ግምት ብዘእተወ ኣገባብ፡ ንትምህርታዊ-መርሓ ምንስትሪ ትምህርቲ ሃገረ ሽወደን፡ ምርኩስ ብምጋብር ከም ዝመሃሩ ይግበር። ትምህርቲ ቋንቋ ካብ መፋርቕ ነሓሰ ክሳብ መወዳእታ ሰነ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ኣብ ሰሙን፡ 15 ሰዓታት የጠቓልል። ዝኾነ ተመሃራይ፡ ንዕኡ ዝምልከት ውልቃዊ ውጥን-ትምህርቲ፡ ከም ዝንደፈሉ ይግበር። ጻዕቂ ኣመሃህራ ምስ ዓቕምታት ተመሃራይ ከም ዝሳነ ይግበር።

ኣብቲ ዝወሃብ ኣይ ቋንቋ ሽወድን ትምህርቲ፡ ንሕብረተ-ሰብ ሽወደን ዝምልከት ትምህርቲ ከም ዝወስዱ ይግበር። እዚ ኽኣ፡ ንኣብነት፡ ውሕስነት-ወለዲ፡ ስርዓተ-ትምህርቲ፡ ኣገልግሎት-ጥዕና፡ ምቅጻል ትምህርትን ዝድህስስ ትምህርቲ ከም ዝወሃቦም ይግበር። ከም ሳልሳይ ኣንፈት ትምህርቲ ቋንቋ፡ ሞያዊ ኣንፈት ዘለዎ ናይ ቋንቋ ሽወደን ናይ ምምሃር ዕድላት ውን ኣሎ። ቋንቋ ሽወደን ነቶም ኣብ መዳይ ምሕብሓብ ሕሙማትን ኣረገውትን ክሰርሑ ዝደልዩ ሰባት፡ ከም ሓደ ሞያዊ ኣንፈት ዘለዎ ናይ ቋንቋ ሽወደን ትምህርቲ መደብ፡ ከም ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ከተማ ሱነ፡ ሓፈሻዊ ማእከል-ጥዕና፡ ማእከል-ጥዕና ኣዴታት፡ ማእከል-ጥዕና ህጻናትን ማእከል ስድራ-ቤታትን ይርከብ።

ኣብ ከተማ ሱነ፡ ብርክት ዝበሉ ሓካይም-ስኒ ኣለዉ። ህዝባዊ ሕክምና-ስኒ (ፎልክ-ታንድቮርደን)፡ ግላዊ ክሊኒካት ሂልመር-ሳምወልሶን ከምኡ ውን ታንድ-ሄልሳን ኢ ሱነን ውን ኣብቲ ከተማ ኣለዉ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ መንግስታዊ ምምሕዳራዊ ትካላት ኣብ ዝግበር ርኽክባት፡ ተርጓሚ ክቍጸረልኩም መሰል ኣለኩም። ንኣብነት፡ ኣብ እዋን ምምዳብ ህጻናት ኣብ ቤት-ትምህርቲ፡ ዝርርብ ውጽኢት ትምህርትን፡ ተርጓሚ ክቍጸረልኩም ይኽእል። ኣብ መብዛሕታኡ ኣጋጣሚታት፡ ተርጓሚ ብዝተፈላላየ ቋንቋታት ብቐሊሉ ብተሌፎን ክቍጸር ይኽእል። ኩሎም ካልእ ቋንቋ-ኣደ ዘለዎም ተመሃሮ፡ ናይ ትምህርቲ-ውጥን፡ ብቋንቍኦም ከም ዝዳለወሎም ይግበር።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ናብ ከተማ ሱነ ብኣውቶቡስ፡ ባቡር ወይ ውን ብመኪና ክምጻእ ይከኣል። እቲ ንምሉእ ኣውሮጳ ዘራኽብ ጽርግያ ቁጽሪ-45 ንከተማ ሱነ ተጎዝጒዝዋ ይርከብ። ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ኣገልግሎት መጎዓዝያ ናይቲ ዞባ (ቫርምላንድስ-ትራፊክ) ዝርዝር ሰዓታት ንቅሎ ባቡርን ኣውቶቡሳትን፡ ክትረኽቡ ትኽእሉ። ናብ ካልእ ዓበይቲ ከተማታት ኣውሮጳ ክትገሹ ምስ እትሓስቡ፡ በቲ ናብ ዝተፈላለያ ኣንፈታት ዝተኣሳስረኩም ናይ ባቡር-መስመር ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ኤስ-ጀይ ብምእታው ክትርእይዎ ትኽእሉ። ትካል መጎዓዝያ ስወቡስ፡ ካብ ካርልስታድ ናብ ስቶክሆልም፡ ኦስሎን ኮፐንሃገንን ዝኽእይድ ስሩዕ መስመር መጎዓዝያ ኣውቶቡስ ኣለዎ። እዚ ትካል'ዚ ክሳብ ጀርመንን ሆላንድስ ዝኸይድ መስመር መጎዓዝያ ኣውቶቡሳት ውን ኣለዎ።

SJ

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣስታት 950 ሰባት፡ ብስራሕ ምኽንያት መዓልታዊ ናብ ሱነ ይመላለሱ። ኣስታት 1500 ዝኾኑ ከኣ ብስራሕ ምኽንያት ናብተን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ከተማታት ብፍላይ ናብታ ዝቐረበት ዓባይ ከተማ ዝኾነት፡ ካርልስታድ፡ መዓልታዊ እንዳተመላለሱ ይሰርሑ። ናብ ካርልስታድ ብባቡር ኣስታት 50 ደቓይቕ ኣቢሉ ይወስድ። ብዙሓት ዓበይቲ ወሃብቲ-ስራሕ ኣብ ከተማ ካርልስታድ ኣለዉ፣ ናይ ካርልስታድ ኮሙን፡ ዞባ ቬርምላንድ፡ ካርልስታድ ዩኒቨርስቲ፡ ሜትሶ፡ ኮንሱም ቬርምላንድ፡ ትዬቶ፡ ፖስተን፡ ኖቢና ሽወደን፡ በዓል-መዚ ቀረጽ (ስካተቨርከት)፡ ቴልያ-ሶኔራ፡ ካሬማ ኤልድረ-ኦምሶሪን፡ ገለ ካብቶም ኣብ ከተማ ካርልስታድ ዝርከቡ ዓበይቲ-ወሃብቲ ስራሕ እዮም። ኣብ ቶሽቢ ካብ ዝርከቡ ዓበይቲ ወሃብቲ-ስራሕ፡ ሆስፒታል ቶሽቢ ኣብ ኣርቪካ ካብ ዝርከቡ ከኣ፡ ኣርቪካ-ቡስታድ ኣበ፡ ኣርቪካ ሞንታጅ ኣበ፡ ኣርቪካ-ስሚደ፡ ኣርቪካ ፋብሪከን፡ ሙኤልቨን ኤዳነ-ሶገን፡ ኢንዱስትሩ-ሱፖርትን ይርከብዎም። ካልኦት ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ከተማታት'ውን ሺልን ሙንክፎሽ ክጥቀሳ ይኽእላ።