Enköping

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ናይ ኤንሾፒን ኮምዩን ኣብ ሓደ ታሪኻዊ ሃዋሁው ኮይኑ ንስራሕን ዕረፍትን ዚዕድም እዩ። እቲ ኮምዩን ጥቓ ማላረን ኮይኑ ግሩም ኣቀማምጣ ዘለዎ እዩ። ሰለስተ ኣህጉራውያን መዓርፎ ነፈርቲ ከኣ ካብቲ ከተማ ናይ ሓደ ሰዓት ጕዕዞ እየን። ምስ ስቶክሆልምን፡ ኡፕሳላን ቨስተሮስን ግሩም ናይ መራኸቢ ብምህላዉ፡ እቲ ኮምዩን ምስዘን ከተማታት እዚኣተን ናይ በጺሕካ ምምላስ ርሕቀት እዩ ዘለዎ። ኤንሾፒን ኣብ 120 ራድዩስ 38 ከተማታት ኣለዋ፡ በዚ ምኽንያት ድማ እታ ናይ ሽወደን ዝቐረበት ከተማ ትብሃል።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

መንበሪ-ገዛ

ኤንሾፒን ኮምዩን ነዘን ዚስዕባ ከተማታት ትሓቍፍ፤ ኤንሾፒን፡ ኦርሱንድስብሩ፡ ሁመልስታ፡ ግሪልቢ፡ ፍየርድሁንድራ፡ ብረድሳንድ፡ ሊልሺርካን ሃጋን። እቲ ኮምዩን 44,429 ተቐማጦ ኣለዎ፡ ኣብቲ ደቡብ ምዕራብ ክፍሊ ናይ ወረዳ ኡፕስላ ከኣ እዩ ዚርከብ። ናይ ኤንሾፒን ናይ ኪራይ ቤትጽሕፈት ኣብቲ ኮምዩን 2500 ኣባይቲ የመሓድር።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኤንሾፒን ኮምዩን ናይ ኣደ ቋንቋ ትምህርቲ በዘን ዚስዕባ ቋንቋታት የቕርብ፤ ሰርብያ፡ ቦስንያ፡ ክሮአሽያ፡ ቱርኪ፡ ሩስያ፡ ቱርከመን፡ ዓረብ፡ ሶማሊ፡ ትግርኛ፡ ፋርስ፡ ፓሽቶ፡ ፖላንድ፡ ኪሩንዲ፡ ስፓኛ፡ ታይላንድ፡ እንግሊዝ፡ ፊንላንድ፡ ግሪኽ፡ ሲርያን ጀርመንን።

ሓደ ቋንቋ ዚዛረቡ ካብ ሓሙሽተ ንላዕሊ ተመሃሮ ምስ ዚምዝገቡ፡ እቲ ናይ ኣደ ቋንቋ ትምህርቲ ኪወሃብ ይኽእል።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ናይ ኤንሾፒን ኮምዩን ባህላውን ስፖርታውን ማሕበራት ኣለዎ። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ተወሳኺ ሓበሬታ ኪርከብ ይከኣል። ኣብኡውን ናይ ርክባት ሓበሬታ ይርከብ እዩ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ኤንሾፒን ኮምዩን ድኳናትን ኣገልግሎት ዚህቡ ትካላትን ኣለዉ። ቤትንባብ ብዘይካ ኣብ ኤንሾፒን፡ ኣብ ኦርሱንድስብሩ፡ ግሪልቢን ፍየርድሁንድራን እውን ይርከብ እዩ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብቲ ኮምዩን 41 ኮሙናውን ናጻን ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣሎ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብቲ ኮምዩን 19 ኮሙናውን ናጻን መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣሎ፡ ከምኡውን ናይ ቨስተርሉንድስካ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ዝተፈላለየ መደባት ትምህርቲ ንዓበይቲ ከምኡ ውን መደብ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ንዓበይቲ ይወሃብ እዩ። ንተወሳኺ፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው፡ ብዛዕባ ትምህርታዊ ዕድላት፡ ብዝርዝር ከተንብቡ ትኽእሉ።

ብዛዕባ ትምህርቲ ኣባጽሕ ኣብዚ ዝስዕብ ኣንብብ፡

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ተጠቀምቲ ናይ ዝተፈላለየ ናይ ጥዕናዊ--ኣገልግሎታትን ክንክን ክትኮኑ ትኽእሉ። ኣብዚ ከተማ፡ ሓፈሻዊ ሕክምና፡ ማእከል-ጥዕና ህጻናት፡ ኣዴታት (ነፍሰ-ጾራት) ከምኡ ውን ክሊኒክ-ስኒ፡ ይርከብ። ሕክምናዊ ክንክን ምስ እትደልዩ፡ ናበይ ክትከዱ ከም ዘለኩምን ካልእ ንጥዕናዊ-ክንክን ዝምልከት ዝርዝራት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ትረኽብዎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ መንግስታዊ ወይ ውን ምምሕዳራዊ ትካላት ናይቲ ከተማ ኣብ እትገብርዎ ርኽክባት፡ ንኣብነት ኣብ ምምሕዳር ከተማ፡ ሕክምና ወዘተ..ናይ ቋንቋ ሽወደን ሕጽረት ምስ ዝህልወኩም፡ ተርጓሚ ክቍጸረልኩም ይኽእል። ተርጓሚ ኣቐዲሙ በቲ ዝምልከቶ መግስታዊ-ኣካል ከም ዝቍጸር ይግበር።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ካብ ኤንሾፒን ናብ ኡፕሳላን ቨስተሮስን ዚኸይድ ኣውቶቡስ ኣብ ሰሰዓት እዩ ዚብገስ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ምስቲ 2,700 ምዝጉባት ዋኒናት፡ ኤንሾፒን እተፈላለየ ናይ ዕዮ ዕዳጋ ኣለዋ። ከም ባህሊ እቲ ዋኒናት ኣብ ፋብሪካታት እተመሰረተ ንእሽቶን ማእከላይን ትካላት እዩ፡ ግን ሕርሻን ምግብን ከኣ ዓቢ ኣገዳስነት ኣለዎ። ኣብዚ እዋንዚ ኣስታት 800 ዋኒናት ኣብ ሕርሻ እተመስረቱ እዮም።

ካብቶም ዓበይቲ ወሃብቲ ስራሕ ንምጥቃስ፤ አንሾፒን ኮምዩን፡ ሚኒስትሪ ምክልኻልን ኣለዉ። ናብ ስቶክሆልም፡ ኡፕሳላን ቨስተሮስን ቅርበት ማለት ነቲ ኣብዚ ኮምዩን ዚቕመጥ ሰብ፡ ነዞም ናይ በጺሕካ ምምላስ ርሕቀት ምቹኣት ዘለዎም ናይቲ ቦታ ናይ ስራሕ ዕዳጋ እውን ኣለውዎ ማለት እዩ።