መሰላትን ግቡኣትን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ኵሎም ሰባት ሰብኣዊ መሰላት ኣሎዎም። በዚ ምኽንያት'ዚ ድማ ወነንቲ መሰላት እዮም። መንግስቲ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ምኽባር፡ ምክልኻልን ምትብባዕን ሓላፍነት ኣሎዎ። ስለዚ መንግስቲ ተሰካሚ ሓላፍነት ናይቶም ሰብኣዊ መሰላት እዩ። እንተኾነ ግን ናይ ሰብኣዊ መሰላት ምኽባር፡ ምክልኻልን ምትብባዕን ግዴታ ናይ መንግስቲ ጥራይ ኣይኮነን።

ነፍስ ወከፍ ውልቀ ሰብ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰብኣዊ ፍጡራት ሓላፍነት ኣሎዎ። እዚ ብተግባር፡ ሓደ ሰብ ጨሪሹ ነቲ ናቱ ሰብኣዊ መሰላት ንናይ ካልኦት ሰባት መሰላት ብዝግህስ ኣገባብ ክጥቀመሉ የብሉን ማለት እዩ። እዚ ንኣብነት ንናጽናት ዘረባ ይምልከት። ኵሎም ሰባት ርእይትኦም ንኽገልጹ መሰል ኣሎዎም። ኾይኑ ግን ነቲ ናትካ ናጽነት ዘረባ ንናይ ካልኦት ሰባት ሰብኣዊ መሰላት ንኽትጥሕስ ክትጥቀመሉ ኣይፍቀደካን እዩ። ኣብ ሽወደን ንኣብነት ምልዕዓል ኣንጻር ሓደ ዓሌታዊ ጕጅለ ዝኽልክል ሕጊ ኣሎ። ምልዕዓል ኣንጻር ዓሌታዊ ጕጅለ፡ ብመሰረት ንኣብነት ሕብሪ ቈርበት፡ ሃይማኖት ወይ ጾታዊ ዝንባሌ/መንነት፡ ምዝርጋሕ፡ ምፍርራሕ ወይ ንዕቀት ምርኣይ ማለት እዩ።

ናጽነት ሃይማኖት ካልእ ኣብነት እዩ። ኵሎም ሰባት ሓደ ሃይማኖት ወይ እምነት ንኽህልዎም መሰል ኣሎዎም። እንተ ኾነ ግዳ እቲ ናጽነት ንናይ ካልኦት ሰባት መሰረታዊ ናጽነትን መሰላትን ብዝግህስ ኣገባብ ክዝውተር ኣይፍቀድን እዩ። እዚ መሰል ንባህልካ ንኸተዘውትር እውን ይምልከት እዩ። ሓደ ከምዚ ኣብነት፡ ምኽንሻብ ብልዕቲ ጐለንስተይቲ ክልኩል ምኳኑ እዩ። ነዚ ጐዳኢ ባህሊ ምውጣንን ከም ዝተወጠነ ኣፍልጦ ምህላውን እውን የቕጽዕ እዩ።

ካልኦት ኣብ ሽወደን ግዴታ ዘካትቱ ኣብነታት ናይ መሰላት፡ ንኣብነት እቲ ንዅሎም ሰባት ኣብ ተፈጥሮ ንኽጸንሑ መሰል ዝህብ መሰል ኵሉ ሰብ እዩ። ከምኡ ክንሱ ግዳ ኣብ ተፈጥሮ ኣብ ዝጽንሓሉ እዋን ንተፈጥሮን ህያዋን መሮርን ሓልዮት ምርኣይ ናይ ኵሉ ሰብ ግዴታ እዩ። ከምኡ'ውን ኣብ ሽወደን ምስ መሰል ናይ መንበሪ ዝተተሓሓዙ ግዴታታት (ግዴታታት ከም ተኻራዪ)፡ መሰል ንስራሕ (ግዴታታት ከም ሰራሕተኛ)፡ ከምኡ'ውን መሰል ንማሕበራዊ ውሕስነትን ዘዕግብ ደረጃ መነባብሮን ማለት፡ ንኣብነት ስርዓት ማሕበራዊ ውሕስነት (ግዴታታት ምስ ቍጠባዊ ሓገዝ ዝተተሓሓዙ) ኣሎዉ።