Skåne län

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ስኮነ ሰሓብን ንጡፍን ክፋል ሽወደን እዩ። ስኮነ ናይ ኩሉ ባህሊታትን ካብ ኩሉ ሸነኻት ዓለም ዝመጹ ሰባትን፡ ናይ ምርምርን ምህዞን ዋኒናት ዝሓዘ ናይ ሰባት መራኸቢ ቦታ እዩ። እቲ ወረዳ ናይ ሽወደን ኣዚዩ ደቡባዊ ቦታ እዩ፡ ኣብኡ ድማ ልዕሊ 1,2 ሚልዮን ህዝቢ ይነብሩ፡ ካባታቶም ዝበዝሑ መንእሰያት እዮም። 90% ኣብ ከተማታት ይነብሩ፡ 17% ድማ ኣብ ወጻኢ እተወልዱ እዮም፡ ኣብኡ ድማ 170 እተፈላለየ ቋንቋታት ይዝረብ። ስኮነ በቲ ግሩም ናይ ሕርሻ መሬታን ነዊሕ ገማግም ባሕራን ምጭው ተፈጥሮኣን ትፍለጥ።

Map of Sweden Created with Highcharts 10.2.1

ኮሙንናት ኣብ

ኮሙንናት ኣብ Skåne län

ኣብ ታሕቲ እታ ብዛዕብኣ ብዝያዳ ከተንብብ ትደልያ ኮሙን ኣብ Skåne län ምረጽ

ኩነታት መንበሪ-ኣባይቲ

ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ኣብ ስኮነ ኣብተን ዓበይቲ ከተማታት ናይ መንበሪ ኣባይቲ ሕጽረት ተራእዩ። ኣብ boplatssyd ኮሙናውን ብሕታውን ዝካረ መንበሪ ኣባይቲ ንምርካብ ተራ ክትሕዝ ትኽእል። ኣብ ስኮነ መብዛሕትኡ ሰብ ብናይ ሓባራዊ መስመራት ጕዕዞ (kollektivtrafiken) እዩ ዚጎዓዝ። እቲ ኣብ መንጎ ከተማታት ዘሎ ናይ ጕዕዞ መራኸቢታት ግሩም ብምዃኑ ብዙሓት ኣብ ሓደ ኮምዩን እናተቐመጡ ኣብ ካልእ ኮምዩን እዮም ዚሰርሑ።

ንግዳዊ-ንጥፈታትን ወሃብቲ-ስራሕን

ናይ ስኮነ ዞባ እቲ ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ እዩ። ንሱ 36,000 ሰራሕተኛታት ኣለዉዎ። ንሳቶም መብዛሕትኦም ኣብ ክንክንን ጥዕናን፡ ንግድን ኢንዱስትሪን፡ ባህሊ ኣከባብን ይሰርሑ። ናይ ስኮነ ኮምዩናት ድማ፡ ካልእ ገዲፍካ፡ ኣብ ትምህርትን ክንክን ህጻናትን ምምሕዳርን የስርሓ። እተን ዝዓበያ ብሕታውያን ወሃብቲ ስራሕ፡ PEAB AB, Sony ከምኡውንPosten AB. እየን።

ኣብያተ-ትምህርታትን ትምህርትን

እቲ ናይቲ ወረዳ ዝዓበየ ሉንድ ዩኒቨርሲቲ 47,000 ተመሃሮን 7,500 ብቐዳምነት ኣብ ሉንድን ማልመን ሀልሲንቦሪን ዝነጥፉ ሰራሕተኛታት ኣለውዎ። ኣብ ማልመ ናይ ማልመ ኮለጅ ኣሎ፡ 25,000 ተመሃሮን 1,400 ሰራሕተኛታትን ከኣ ኣለዉዎ። ኣብቲ ናይ ክሪስትያንስታድ ኮለጅ፡ 13,000 ተመሃሮ ይመሃሩ። ኣብ studera.nu. ብዛዕባ ትምህርቲ ሓበሬታ ትረክብ።

ኣገልግሎት ጥዕና

ፍሉጥ ዝኾነ ሕማም፡ ወይ መጕዳቲ ወይ ጸገማት ምስ ዚህልወካ፡ ናብቲ ናይ ዞናኻ ማእከል ጥዕና ኪድ። ኣብኡ ብዛዕባ ከመይ ጌርካ ጥዕናኻ ከም እተመሓይሽ ደገፍ ወይ ሓገዝ ትረክብ። ኣብቲ vårdguiden ብዛዕባ ጥዕና ምኽሪ፡ ብዛዕባ ኣበይ ክትከይድ ከም ዘሎካ ድማ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል።

ስኮነ ስለስተ ዓይነት ሆስፒታላት ኣለውዎ፤ ዩኒቨርሲታዊ ሆስፒታል፡ ናይ ህጹጽ ረድኤትን ናይ ከባብን ሆስፒታላት። ኣብኡ እተፈላለየ ክፍልታት ሕክምናን እተፈላለዩ ክኢላታትን ኣለዉ። ሓደገኛ ሕማም ምስ እትሓምም፡ ኣብ 112 ደውል። ንሕማም ስኒ ህዝባዊ ሕክምና ስኒ ኣሎ። ንሱ ብእተፈላለየ ቋንቋታት ሓበሬታ ይህበካ።

ባህላውን ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታትን

ኣብ ስኮነ ሃብታም ባህላዊ ህይወት ኣሎ። ኣብኡ፡ ካልእ ገዲፍካ፡ ተያትር፡ ኦርከስትራ፡ ኣብያተመዘክርን ብዙሕ ዝበጻሕቱ ቤትንባብን ኣሎ። ኣብቲ ናይ ኮምዩንካ ቤትንባብ ከይከፈልካ መጽሓፍ ክትልቃሕ ትኽእል። ብግዜ ዕረፍቲ መብዛሕትኡ ሰብ ኣብቲ ማሕበራት ይነጥፍ። ኣብ ናይ ስፖርት ወይ ናይ ሰራሕተኛታት ወይ ናይ ዝንባለ ማሕበራት ኣባል ምዃን ልሙድ እዩ። ገለ ካብተን ማሕበራት ስኮነ ኣብ "Nätverket" ይርከባ።

ኩሉ ሰብ ናብቲ ተፈጥሮን፡ ዱርን ባሕርን ቀላያትን ዕዱም እዩ። እቲ ናይ ሓፋሽ መሰላት፡ ኣብኡ እንታይ ከም ዚፍቀድ ወይ ከም ዘይፍቀድ ይነግር። ስኮነ 200 ናይ ተፈጥሮ ሕዛእትን ሰለስተ ሃገራዊ መናፈሻን ኣለዋ።

እቲ ናይ ስኮነ ብዙሓት በጻሕቲ ዝኸዱዎ ቦታ፡ ኣለ ስተናር፡ ሶደርኦሰንስ ሃገራዊ መናፈሻን ናይ ሉንድ ዱምሺርካን እዩ። ኣብቲ ወረዳ 500 ኣብያተክርስትያን ይርከቡ። ስኮነ 240 ጥንታውያን ኣብያተመንግስትን ኣደራሻትን ኣለዋ።