Munkfors

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣብዚ ከተማ’ዚ፡ ዳርጋ ኩሉ ነገር ብቐረባ ክትረኽብዎ ትኽእሉ። ሃብታም ተፍጥሮኣዊ ከባቢ፡ ነኣሽቱ ዓዲታትን ዓበይቲ ከተማታት ኩሉ ብቐረባ ኣብ ጥቓኹም ይርከብ። ስራሕ፡ ማሕበራዊ-ኣገልግሎታት ከምኡ ውን ድኳናት፡ ኣብ ጥቓኹም ኣለኩም። ኣብዚ ከተማ ንጡፋት ማሕበራት ኣለዋ። ኣብ ባህልን ስፖርትን ዝተኮረ ንጥፈታት ከኣ፡ ብብዝሒ ይርከብ። ኣብዚ ከተማ’ዚ ብሕጽር ዝበለ ንኹሉ ዘድሊ ነገራት፡ ኣሎ ክበሃል ይከኣል። ናብዚ ከተማ’ዚ ብደሓን ምጽኡ!

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

መንበሪ-ገዛ

ኣብዚ ከተማ'ዚ፡ ብርክት ዝበላ ናይ መንበሪ-ኣባይቲ ኣማራጺታት ኣለኩም። ብርክት ዝበላ ኣባይቲ ዘካርያ ትካላት ኣለዋ። መንበሪ-ገዛ ክትዕድጉ ምስ እትደልዩ ውን ኣሎ። ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው፡ ነጻ ዘሎ መንበሪ-ገዛን ትካላት ክራይ-ኣባይትን ዝምልከት፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ብርክት ዝበሉ ተዛረብቲ ካልኦት ቋንቋታት ዝኾኑ ነባሮ ይርከቡ። ንተወሳኺ ሓበሬታ፡ ንክፍሊ ምቕባል ሓደስቲ ስደተኛታት ትወከሱ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ዝነጥፋ ብርክት ዝበላ ማሕበራት ይርከባ። ንኣብነት፡ ማሕበራት ስፖርታዊ-ንጥፈታት፡ ባህላዊ ማሕበራት፡ ኣብያተ-ክርስትያናት ምትእሳሳራተንን። ኣብቲ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ዝርከብ መዝገብ-ማሕበራት ብምእታው ምስ ዝምባሌታትኩም ዝሳነያ ማሕበራት ክትደልዩ ትኽእሉ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብዚ ከተማ'ዚ፡ ዳርጋ ኩሉ ዘድሊ ዝበሃል ነገር ኣሎ'ዩ ክበሃል ይከኣል። ቤት-ንባብ፡ ድኳናት መዓልታዊ ኣስቤዛ፡ ካልእ ኣገልግሎታት ዝህባ ድኳናት ቡቲካትን ይርከባ። ብዜካ'ዚ፡ ማእከላት ስፖርታዊ ንጥፈታትን ብርክ ዝበለ ባህላውን ስፖርታውን ንጥፈታትን ዝአንግዳ ማሕበራትን ይርከባ። ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው፡ እንታይ ዓይነት ንጥፈታት ከም ዘሎን ካልእ ዝርዝራትን ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብዚ ከተማ'ዚ፡ ነቶም ቆልዑ ዘለዎም ኣገልግሎት መዋዓሊ-ህጻናት ኣሎ። ምምሕዳር ከተማ፡ ነቶም ካብ 1 ክሳብ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ዝዓለመ፡ ትምህርታዊ ንጥፈታት ውን ኣለዎ። ንተወሳኺ ዝርዝር ብዛዕባ'ዚ፡ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው ከተንብቡ ትኽእሉ።

ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃን ኣብያተ-ትምህርቲ

ምምሕዳር-ከተማ፡ ካብ ኣዚለ ክሳብ 9ይ ክፍሊ ዘጠቓልል ናይ መባእታዊ ደረጃ-ትምህርቲ ኣለዎ። ንመባእታውን ናይ ካልኣይ-ደረጃን ቤት-ትምርህቲ ብዝምልከት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው ከተንብቡ ትኽእሉ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ዝተፈላለየ መደባት ትምህርቲ ንዓበይቲ ከምኡ ውን መደብ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ንዓበይቲ ይወሃብ እዩ። ንተወሳኺ፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው፡ ብዛዕባ ትምህርታዊ ዕድላት፡ ብዝርዝር ከተንብቡ ትኽእሉ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ተጠቀምቲ ናይ ዝተፈላለየ ናይ ጥዕናዊ--ኣገልግሎታትን ክንክን ክትኮኑ ትኽእሉ። ኣብዚ ከተማ፡ ሓፈሻዊ ሕክምና፡ ማእከል-ጥዕና ህጻናት፡ ኣዴታት (ነፍሰ-ጾራት) ከምኡ ውን ክሊኒክ-ስኒ፡ ይርከብ። ሕክምናዊ ክንክን ምስ እትደልዩ፡ ናበይ ክትከዱ ከም ዘለኩምን ካልእ ንጥዕናዊ-ክንክን ዝምልከት ዝርዝራት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ትረኽብዎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ መንግስታዊ ወይ ውን ምምሕዳራዊ ትካላት ናይቲ ከተማ ኣብ እትገብርዎ ርኽክባት፡ ንኣብነት ኣብ ምምሕዳር ከተማ፡ ሕክምና ወዘተ..ናይ ቋንቋ ሽወደን ሕጽረት ምስ ዝህልወኩም፡ ተርጓሚ ክቍጸረልኩም ይኽእል። ተርጓሚ ኣቐዲሙ በቲ ዝምልከቶ መግስታዊ-ኣካል ከም ዝቍጸር ይግበር።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ ስሉጥ ኣግልጎሎት መጎዓዝያ ኣሎ። ንሰዓታት ንቕሎን ናይ መጎዓዝያ ኣማራጺታትን ብዝምልከት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው ክትረኽብዎ ትኽእሉ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ'ዚ ከተማ ይኹን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከባ ከተማታት፡ ብርክት ዝበሉ ዓበይትን ነኣሽቱን ወሃብቲ-ስራሕ ይርከቡ። ኣብዚ ከባቢ ዘለዉ ክፍቲ ናይ ስራሕ-ቦታታት ንምርኣይ ኣብ ማእተዊ ናይ'ዚ ሓበሬታ ''ክፍቲ ናይ ስራሕ ቦታታት'' ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ትረኽብዎ። እቶም ናይ ባዕልኹም ትካል ክትጅምሩ እትሓስቡ ሰባት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ነዓኹም ዝኸውን ኣገዳሲ ሓበሬታ ትረኽቡ።