Göteborg

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ዮተቦርይ ናይ ሽወደን ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ ኾይና ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ጥቓ ባሕሪ ተደዅና ትርኸብ። ፈለግ ዮታ (Göta Älv) ነታ ከተማ ትኽ ኢሉ ሰንጢቑ ይውሕዝን ሰብ ካብ ማእከል ከተማ ናብተን እኩባት ደሴታት ካብ ሰዓት ኣብ ዝውሕድ ግዜ ይበጽሕን።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ከምኡ'ውን ኣብዚ ብዙሓት ኣብ ማእከል ከተማ ዝርከባ ፓርክታትን ሓምላይ ቦታታትን ኣሎ። የተቦርይ ኵሉ ናይ ዓበይቲ ከተማታታት ዕድላትን ቀረባትን ተወፊ። ማዕረ ማዕሪኡ ኣብዚ እቲ ኣብ ንእሽተይ ከተማ ዝርከብ ናብ ኵሉ ቀረባ ምዃንን ምጭውነትን ባህርን ኣሎ። ዮተቦርይ ዓበይቲ ንጥፈታት ናይ ስፖርት፣ መዘናግዒን ባህልን ከም ንኣብነት ሓደ ሕብረ-ባህላዊ ናይ ህዝቢ ፈስቲቫል ዝኾነ ካርነቫል ሃማርኵለን (Hammarkullekarnevalen) ከምኡ'ውን ሓደ ካብቶም ናይ ስካንዲነቭያ ዓበይቲ ባህላዊ ፈስቲቫላት ዝኾነ ኩልቱርካላሰት (Kulturkalaset) ብምድላው ፍልጥቲ እያ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ከተማ ዮተቦሪ ዝተፈላለየ ኣማራጺታት መንበሪ-ኣባይቲ ይርከብ። ኣብዚ ከተማ'ዚ እቶም ዝበዝሑ መንበሪ-ኣባይቲ ብትካል ቡፕላትስ-ዮተቦሪ ይመሓደሩን ይምእከሉን።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ከተማ ዮተቦሪ፡ ልዕሊ ምእቲ ዝኾና ቋንቋታት ይዝረባ። 23% ካብ ተቐማጦ የተቦሪ፡ ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝተወልዱ እዮም። ኣብዚ ከተማ'ዚ ብብዝሒ ካብ ዝርከቡ ናይ ስደተኛታት መበቆል ዘለዎም ነባሮ፡ ካብ ሃገራት ኢራን፡ ዒራቕ፡ ፊንላድ፡ ቦስንያን-ሆርዞጎቪንያን፡ ዮጎስላቭያ፡ ፖላንድ፡ ሶማል፡ ቱርኪ፡ ቻይና፡ ነርወይን ካልኦትን ይርከብዎም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ከተማ ዮተቦሪ ብርክት ዝበላ ናይ ስደተኛታት ማሕበራትን ምትእኽኻባትን ኣለዋ።

ኣብ ዮተቦርይ ብዙሓት ዝተፈላለያ ዓይነት ማሕበራት ኣሎዋ፡ ስእሊ ክላስ ኤሪክሶን

ኣዋልድ ግጥም ኵዕሶ እግሪ ይጻወታ ኣሎዋ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ከተማ ዮተቦሪ ኣብ 10 ምምሕዳራዊ ዞባታት ዝተኸፍለት እያ። ምምሕዳር ዞባታት ነንዞብአን ዝወሃብ ማሕበራዊ ኣገግሎታት ኣብ ምምሕዳር ይነጥፋ። እዚ ኣገልግሎታት'ዚ ንኣብነት፡ መውዓሊ-ህጻናት፡ መባእታዊ-ትምህርቲ፡ ክንክን ዓበይቲ ከምኡ ውን ቤት-ንባብን የጠቓልል።

መእትዊ መደብ ንሓደስቲ ሽወደናውያን

ንስኻ ንሽወደን ሓድሽ ዝኾንካ ናብቲ ናይ ሽወደን ሕብረተሰብ ብዝቐለለ ንኽትኣቱ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ከተማ ዮተቦርግ፡ ንኣብነት ሓደሽቲ ሰባት ክትረክብን ብዛዕባ ናይ ሽወደን ቋንቋ፣ ኣገልግሎት ጥዕናን ቤት ትምህርትን ብዝያዳ ንኽትምሃር ክትሕግዘካ ትኽእል ኢያ።

ማእከል-ሓበሬታ ንስደተኛታት

ማእከል-ሓበሬታ ንስደተኛታት ኣብ ከተማ ዮተቦሪ፡ ኣብ 2003 ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ማእከል ርኽክብ ዝተፈላለዩ ስደተኛታት ነባሮ ናይቲ ከተማን እዩ። ብዜካ ኣብ ምርኻብ ዝተፈላለዩ ሰባት፡ እዚ ማእከል እዚ ውን ዝተፈላለየ ትምህርታዊ ምትእኻባትን ናይ ትምህርቲ ዓንኬላትን የዳሉ። መሰረት ናይ'ዚ ርኽክባት ዝምባሌታት ናይቶም ዝራኽእቡ ወገናት ዝውስኖ ኮይኑ፡ ንኣብነት፡ ፊልም፡ ደርፊ፡ ምኽሻን-መግቢ፡ ምሕንባስ ከምኡ ውን ልምምድ ምዝዋር ብሽክሌታትን ማእከል ዝገብረ ክኸውን ይኽእል።

ክልተ ደቀንስትዮ ብመንገዲ ሓባሪ ስደተኛታት ተራኺበን ቡን ይሰትያ ኣሎዋ።

ኣብያተ-ጽሕፈታት ሓበሬታ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት

እቶም ናብ ሽወደን ሓደስቲ ዝመጻእኩም ስደተኛታት፡ ኣብ ከተማ ዮተቦሪ ሓበሬታን ምኽርን ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ክትረኽቡ ትኽእሉ። ገለ ካብዚ እዚ ቤት-ጽሕፈታት'ዚ ክህበኩም ዝኽእል ሓበሬታታ ነዚ ዝስዕብ ዝምልከት ክኸውን ይኽእል፡

  • ምትርጓም ቅጥዒታትን ካልእ ኣገዳሲ ሓበሬታታትን
  • ሓበሬታ ብዛዕባ ሕብረተ-ሰብ ሽወደን ብኸመይ ከም ዝመሓደር።
  • ሓበሬታ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ትካላት።
  • ቅኑዕ ሓበሬታ ኣብ ምርካብ።
  • ምኽሪ ንዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዝምልከት።
ስእሊ ካብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ሓበሬታ

ቤት-ጽሕፈት ዜጋታት (ነባሮ-ከተማ)

ኣብ ኣብያተ-ጽሕፈት ዜጋታት፡ ናይቲ እትነብሩሉ ምምሕዳር ዞባ ዚምልከት ናይ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ሓበሬታ ክትረኽብ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ'ውን ንኣብነት ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ሕብረተ-ሰብኣዊ ሕቶታት፡ መውዓሊ ህጻናት፡ ትምህርቲ፡ ክንክን ዓበይቲ፡ ንማሕበራት ዝምልከት ሕቶታት፡ ንዕድጊ ዝምልከት ሕቶታት ወይ ንመንበሪ-ኣባይቲ ዝምልከትን ሕቶታት፡ ውልቃዊ ምኽርን ሓበሬታን ክወሃበካ ይኽእል እዩ።

ክረትስሎፕስፓርከን ኣልየሊካን

ኣብ ክሊ ዑደት ኣለልይካን (kretsloppsparken Alelyckan)፡ ብትካላት ኦተርብሩከት፡ ስታድስሚስዮነን ከምኡ'ውን ረቱርሁሰት ዝእለያ ሰለስተ ድኳናት ኣለዋ። ኣብኡ ዘገልገለ ኣቑሑት ገዛ፡ ክዳውንትን ብዙሕ ካልእን ብሕሱር ዋጋ ክትዕድግ ትኽእል ኢኻ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

መውዓሊ ህጻናትን ስድራ-ቤታዊ መውዓሊ ህጻናትን

ኣብ ከተማ ዮተቦሪ፡ ነቶም ካብ 1 ክሳብ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ዝኸውን፡ ብርክት ዝበለ ናይ መውዓሊ-ህጻናትን ኣገልግሎት ክንክን ህጻናትን ኣማራጺታት፡ ኣለኩም። መብዛሕትኦም ኣብ ክሊ'ዚ ዕድመ ዝርከቡ ህጻናት፡ ኣብ መውዓሊ-ህጻናት ዝእለዩ ኮይኖም፡ ብድሕሪ'ዚ ልሙድ ዝኾነ ከኣ፡ ማእከል ክንክን ህጻናት እዩ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

መባእታ ቤት ትምህርቲ

መባእታዊ ትምህርቲ፡ ንኹሎም ህጻናት ግዴታዊ እዩ። እዚ ኸኣ ናይ ምምሃር ግዴታ ተባሂሉ ይጽዋዕ። መባእታዊ ደረጃ ትምህርቲ ከመይን ብኸመይን ከም ዝመሓደር፡ ንዝብል ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ተወሳኺ ዝርዝራት ኣለኩም። ኣብዚ ገጻት'ዚ፡ ንዓመታዊ ክፍላታት ትምህርቲ፡ ኣመጋግባ፡ ኣድራሻታት ኩለን ኣብ ከተማ ዮተቦሪ ዝርከባ መባእታዊ ኣብያተ-ትምህርታትን ውን፡ ትረኽቡ።

ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ

እቶም ናይ መባእታዊ-ደረጃ ትምህርቲ ዘጠናቐቑ ኣብ ክሊ ዕድመ 16 ክሳብ 20 ዝርከቡ ተመሃሮ፡ ቀጺሎም ኣብ ካልኣይ-ደረጃ ክመሃሩ ይኽእሉ። ኣብ ካልኣይ-ደረጃ ከኣ፡ ካብተን ሃገር-ለኸ ዝወሃባ 18 ዓውድታት ትምህርቲ፡ መሪጾም ክመሃሩ ይኽእሉ።

ዕድላት ትምህርቲ

SFI (ሽወደን ንስደተኛታት)

መደብ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ (ኤስ.ኤፍ.ኢ)፡ ነቶም ቋንቋ ሽወደን ቋንቋ-ኣዲኦም ዘይኮነ ሓደስቲ ስደተኛታት ዝዓለመ፡ ትምህርቲ እዩ። ኣብዚ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ክትሳተፉ እንከለኹም፡ ንሕብረተ-ሰብ ሽወደን ዝምልከት መሰረታዊ ሓበሬታ ውን ከም ዝወሃበኩም ይግበር።

ትምህርቲ ብዛዕባ ሕብረተ-ሰብ ሽወደን

እዚ ትምህርቲ'ዚ፡ ምስ ሕብረተ-ሰብ ሽወደን ዘላሊ መደብ ትምህርቲ ኮይኑ፡ ነቶም ናብ ሽወደን ዝመጹ ሓደስቲ ስደተኛታት ዝወሃብ ትምህርቲ እዩ። ኣብዚ መደብ ትምህርቲ'ዚ፡ መሰላትኩምን ግቡኣትኩምን ኣብ ሕብረተ-ሰብ ሽወደን እንታይ ምዃኑን፡ መስርሕ ደሞክራሲ ኣብ ሽወደን፡ ሰረት-ህንጻን ቅርጺ ውደባ ሕብረተ-ሰብ ሽወደንን ዝምልከት፡ ሓበሬታ ይወሃበኩም። ንመዓልታዊ መነባብሮ ዝምልከት ወይ ውን ዝድህስስ ትምህርቲ'ዩ ክበሃል ይከኣል። 

ትምህርቲ ልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝምሃሩ ሓደ ጕጅለ ይራኸቡ።

መደብ-ትምህርቲ ንዓበይቲ

ኣብ ማእከል ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ ናይ መባእታ ይኹን ናይ ካልኣይ ደርጃ ትምርህቲኹም ከተጠናቕቑ ትኽእሉ። ብደረጃ ዩኒቨርስቲ ወይ ውን ሞያዊ ላዕለዋይ ትካል ትምህርቲ ንኽትመሃሩ ዘድልየኩም ነጥብታት ንምውህላል ውን፡ ክትመሃሩ ትኽእሉ። ሞያዊ ትምህርታት ናይ ምውሳድ ዕድላት ውን ኣለኩም። ንተወሳኺ ዝርዝር ብዛዕባ መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው ከተንብቡ ትኽእሉ።

ፍሉይ መደብ-ትምህርቲ ንዓበይቲ

ፍሉይ መድበ ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ ነቶም 20 ዓመት ዝመልኡን፡ በስንኪ ኣእምሮኣዊ ናይ ምምዕባል ጸገማት ወይ ውን ማህረምቲ ሓንጎል፡ ናይ ምምሃር ጸገማት ንዘለዎም ተመሃሮ፡ ዝምልከት መደብ ትምህርቲ እዩ።

ሞያዊ ትምህርቲ

ሞያ ክትቀስሙ ትደልዩ'ዶ? ሽቶኹም ንምውቃዕ እምበኣር ሞያዊ ትምህርቲ ክትመሃሩ ትኽእሉ። ማእከል ማእከል-ትምህርቲ ንዓበይቲ ከተማ ዮተቦሪ፡ ዝተፈላለየ ነዊሕን ሓጺርን ሞያዊ ትምህርታት፡ ኣብ ምእንጋድ ይነጥፍ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣገልግልት ጥዕና ኣብ ከተማ ዮተቦሪ ምሃብን ምቍጽጻርን ሓላፍነት ዝወስድ፡ ምምሕዳር ኣውራጃ እዩ። ንሆስፒታላት፡ ማእከል-ጥዕና ከምኡ ውን ሕክምና ህጻናትን ክሊኒካትን ዝምልከት ኣድራሻን ካልእ ዝርዝራትን፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ዮተቦሪ ኣለኩም። ንክንክን ስኒ፡ ኣመጋግባን ጥዕናዊ ምኽርን ዝምልከት ሓበሬታ ውን ኣብዚ ገጻት'ዚ ኣለኩም።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ መንግስታዊ ትካላት ኣብ እትገብርዎ ርኽክባት፡ ቋንቋ ሽወደን ዘይትመልኩ ምስ እትኾኑ ተርጓሚ ክቅጸረልኩም መሰል ኣለኩም። ንኣብነት፡ ኣብ ናይ ደቕኹም መውዓሊ-ህጻናት ወይ ውን ምስ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ (ኣርበትስፎርመድሊንገን) ኣብ እትገብርዎ ርኽክባት ተርጓሚ ክቍጸረልኩም ይኽእል።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣገልጎት መጎዓዝያ ኣብ ከተማ ዮተቦሪ፡ ብትካል መጎዓዝያ ቬስትራፊክ፡ ይእለ። ህዝባዊ መጎዓዝያ፡ ዝተፈላለያ ባቡራት፡ ኣውቶቡሳትን ጀላቡን፡ የጠቓልል። ንተወሳኺ ዝርዝር ብዛዕባ ህዝባዊ-መጎዓዝያ፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ኣለኩም።

ትራም

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ከተማ ዮተቦሪ እቲ ዝዓበየ ወሃቢ ስራሕ ምምሕዳር ከተማ ባዕሉ እዩ። ምምሕዳር ከተማ፡ ኣብ ልዕሊ 100 ዝተፈላለየ ሞያታትን ጽላታትን ዝሰርሑ ኣስታት 49000 ሰራሕተኛታት ኣለዉዎ።

ከተማ ዮተቦሪ፡ ዓበይቲ ኢንዱስትሪታትን፡ ዝተፈላለየ ንድጋዊ ጽላታትን ዝርከባ ከተማ ውን እያ። ኣብ ዞባ ስካንድናቭያ እቲ ዝዓበየ ወደብ፡ ኣብዛ ከተማ ይርከብ። ገለ ካብተን ኣብዛ ከተማ ዝርከባ ዓበይቲ ትካላት፡ ቮልቮ ፋብሪካ መካይን፡ ቮልቮ ፋብሪካ በጣሓት፡ ኤስ.ከይ.ኤፍ፡ ቮልቮ ኢ.ቲ፡ ኤሪክሶንን፡ ይርከባ። ካልእ ክጥቐስ ዝግብኦ ሰፊሕ ንጥፈታት ዝካየደሉ ማእከላት ውን ማእከል ክንክን ማልን-ሊከ፡ ትካል ኣስትራ-ዘኒካን ኤርክሶንን ይርከብዎም።

ከተማ ዮተቦሪ፡ ማእከል ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ምትእኽኻባት ብምዃና መጠን ብጽሖት ውን ሓደ ነብሱ ዝኸኣለ ምንጪ-ኣታዊ ናይታ ከተማ ክኸውን በቒዑ እዩ። ኣብ መዳይ ብጽሖት ኣስታት 16000 ሰባይ ይሰርሑ። ኣብ ከተማ ዮተቦሪ ስራሕ ምስ እትደልዩ፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ኣቲኹም፡ ከትርእዩ ትኽእሉ።

ናይ ባዕልኻ ትካል ምብጋስ

ናይ ባዕልኹ ናይ ውልቂ-ትካል ክትምስርቱ ምስ እትደልዩ፡ ኣቐዲምኩም ክትሓስቡሉ ዝገበኣኩም ኣገዳሲ ነገራት ኣሎ። ነቲ ውጥንኩም ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ዝተፈላዩ ክሕግዝኹም ዝኽእሉ ትካላትን ውልቀ-ሰባትን ኣለዉ። ነዚ ዝምልከት ሓገዛት ብኸመይ ክትረኽቡ ትኽእሉ ዝብል ዝርዝር፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ኣለኩም።

ኣዳራሽ ዕዳጋ ኣብ ዮተቦርይ።