ሰብኣዊ መሰላት

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ኣብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣድማሳዊ ኣዋጅ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኵሎም ደቂ-ሰባት ሓራ ኾይኖም ዝተወልዱ፡ ከምኡ'ውን ማዕረ ክብርን መሰለን ከም ዘለዎም ሰፊሩ ኣሎ። እቶም ሰብኣዊ መሰላት ኣድማሳውያን እዮም፡ እዚ ንዅሎም ደቂ-ሰባት ይምልከቶም ማለት እዩ።

ሕግታት

ኣብ ሽወደን ብሰንኪ እዚ ዝስዕብ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ኣድልዎ ክትገብር ክልኩል እዩ፡

  • ጾታ
  • ስግረ ጾታዊ መንነትን ስሚዒትን
  • ዓሌት
  • ሃይማኖት ወይ ካልእ እምነት
  • ስንክልና
  • ጾታዊ ዝንባሌ
  • ዕድመ

ኣብ ሽወደን እቶም ሰብኣዊ መሰላት ብዝተፈላለየ ቕዋም ኣቢሎም እውን ይውሓሱ እዮም። ኣብቲ ቅዋማዊ ቅርጺ መንግስቲ ንኣብነት ናትና መሰረትዊ ሓርነታትን መሰላትን ዝሓዘ ስሩዕ ዝርዝር መሰላት ኣሎ።

ኣብዚ ብዛዕባ እዚ ዝስዕብ ሰፊሩ ኣሎ፡

  • ናጽነት ርእይቶ (ናጽነት ዘረባ፡ ናጽነት ሓበሬታ፡ ናጽነት ሃይማኖት ወዘተ።)
  • መሰል ኣኽብሮት ኣካላትን ናጽነት ምንቅስቓስን (ክልከላ መቕጻዕቲ ብሞትን ስቅያትን ወዘተ።)
  • ርጉጽነት ሕጊ (ቀይዲን ምርመራ ቤት ፍርድን ወዘተ።)
  • ውሕስነት ንብረትን መሰል ኵሉ ሰብን (ኣብ ተፈጥሮ ናይ ምጽናሕ መሰል ወዘተ።)
  • መሰል ደራሲ፤መሰል-ቅዳሕ (መሰል ዋንነት ናይ ስራሕ)
  • ናጽነት ዋኒን (ምክያድ ዋኒንን ትግባረ ሞያን)
  • ኣድማ ኣብ ዕዳጋ ስራሕ ( መሰል ንኣድማ፡ ምዕጻው ስራሕ ወዘተ።)
  • ትምህርትን ምርምርን (መሰል ንመባእታዊ ትምህርቲ ወዘተ።)።

ቤት ጽሕፈታት ጸረ ኣድልዎ

ኣብ ሽወደን እተፈላለያ ናይ ከባቢን ዞባን ጸረ-ኣድልዎ ቤት ጽሕፈታት ኣለዋ። ንዓኻ ንኣድልዎ ዝተቃላዕካ ምኽርን ደገፍን ክህቡኻ ይኽእሉ እዮም።

ተሓላቕ ፍትሒ ኣንጻር ኣድልዎ

ተሓላቕ ፍትሒ ኣንጻር ኣድልዎ (DO)፡ ሕጊ ኣንጻር ኣድልዎ ከም ዝሰዓብ ዘሎ ዝቈጻጸር መንግስታዊ ብዓል መዚ እዩ። ኣድልዎ እንተ ኣጋጢሙካ ናብ ተሓላቕ ፍትሒ ኣንጻር ኣድልዎ (DO)፡ ሓበሬታ ክትህብን ጥርዓን ከተእቱን ትኽእል ኢኻ።

ተሓላቕ ፍትሒ ኣንጻር ኣድልዎ (DO) ነቶም ሓበሬታታትን ጥርዓናትን ብቐዳምነት ሕጊ ከም ዝሰዓብ ዘሎ ንምርግጋጽ እምበር ንናይ ውልቀ ሰባት ኵነታት ፍታሕ ንምርካብ ኣይኮነን ዝጥቀመሎም።