11 መስከረም ኣብ ሽወደን ምርጫ ዝግበረሉ ዕለት እዩ።

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 14 9 2022

11 መስከረም 2022 ኣብ ሽወደን ምርጫ ዝግበረሉ ዕለት እዩ። ኣብቲ ምርጫ ድምጽካ ትህብ ሰብ፡ ንሽወደን መን ከም ዝመርሓ ኣብ ምውሳን ትሳተፍ ኣለኻ። ሰለስተ ምርጫታት ብሓንሳእ እዩ ዝካየድ። ምርጫ ንሃገራዊ ባይቶ፡ ዞባታትን ኮሙናትን።

ኣብ ናይ ኮሙንን ዞባን ምርጫ ንምምራጽ ሽወደናዊ ዜጋ ክትከውን ከም ዘየድልየካ ትፈልጥ’ዶ ነርካ?

ወዲ 18 ዓመት እንተ ዄንካን እንተ ወሓደ ንሰለስተ ዓመት ኣብ ናይ ሽወደን ህዝባዊ መዝገብ ተመዝጊብካ ዘለኻ ኴንካን ኣብ ናይ ኮሙንን ዞባን ዝግበር ምርጫ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።

ሽወደናዊ ዜጋን 18 ዓመት ዝመላእካን እንተ ዄንካ ንሃገራዊ ባይቶ ኣብ ዝግበር ምርጫ ከተድምጽ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ’ውን ናይ ግድን ኣብ ገለ እዋን ኣብ ናይ ሽወደን ህዝባዊ መዝገብ ተመዝጊብካ ዝነበርካ ክትከውን ኣለካ።

ስለምንታይ እየ ከድምጽ ዘለኒ?

ክተድምጽ ምኽኣል ሓደ ደሞክራስያዊ መሰል ኮይኑ፡ ነዚ ኣብ ሽወደን ዘሎ ሕብረተ ሰብ ትጸልወሉ ሓደ መንገዲ እዩ። ምድማጽ ብፍታው እዩ ዝግበር። እቲ ንኸድምጽ ዝመርጽ ሰብ ኣብ ብዙሕ ነገራት ኣብ ምውሳን ይሳተፍ። ንኣብነት ኣብቲ ትነብረሉ ቦታ ዘሎ ቤት ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ከመይ ክኸውን ከም ዘለዎ።

ሰለስተ ኣድመጽቲ ኣብቲ ምርጫ ስለምንታይ ከድምጹ ከም ዝኾኑ የዘንትዉ

ኤሊ በይሩቲ

ኣብቲ ዝግበር ምርጫ ከተድምጽ ዲኻ?

– እወ፡ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ዝብል ርእይቶ ኣለኒ። ኣብ ሽወደን ን36 ዓመት ተቐሚጠ ኣለኹ። ንመጀመርታ ግዜ ኣብዚ ሃገር ዝመረጽክሉ፡ ብሓቂ ከም ዝሓስብ ኮይነ እየ። ኣብታ ቅድሚ ሕጂ ዝነብረላ ዝነበርኩ ሃገር ቅድሚ እቲ ውጽኢት ምርጫ ምውጽኡ ብዙሕ ምትላል እዩ ዘጋጥም ነይሩ። ኣብ ሽወደን ካብቲ ኣነ ዝለመድክዎ እተፈልየ እዩ።

ሰብ ስለምንታይ ከድምጽ ኣለዎ?

– ኣብ ሽወደን ምድማጽ ብፍታው እዩ፡ ነፍስ ወከፍ ሰብ ከድምጽ ድዩ ዝደሊ ከየድምጽ ባዕሉ እዩ ዝውስን። ምድማጽ ሓደ ካብቲ ዘለካ መሰላት እዩ። ርእይቶ እንተ ኣልዩካን ንሕብረተሰብ ከተመሓይሽ ትደሊ ኴንካን፡ ድምጽኻ ክትጥቀመሉ ኣለካ። እንተ ዘይኾይኑ ዋላ ሓንቲ ለውጢ ክትገብር ኣይትኽእል ኢኻ። 

ኣሻ መሓመድ ኣድናን

ስለምንታይ ኢኻ ኣብቲ ዝግበር ምርጫ ከተድም?

– ፍትሒ የለን ዝብል ርእይቶ ምስ ዝህልወካ ወይ ንኣብነት ንትምህርቲ ወይ ክንክን ጥዕና ከተመሓይሾ ትደሊ ዄንካ፡ንሕብረተ ሰብ ትልውጠሉ ሓደ ኣገባብ እዩ። ድምጽኻ ተስምዓሉ ሓደ መንገዲ እዩ። እቶም ንመርጾም ሰባት ናትና ናይ ህዝቢ ወኪላትና እዮም። እዚ ደሞክራስያዊ መሰል እዚ ኣብ ኵሉ ክፋላት ዓለም ኣይኮነን ዘሎ። 

ሳውሳን ኢስማዒል

ኣብቲ ዝግበር ምርጫ ከተድምጽ ዲኻ?

– ብርግጽ ከድምጽ እየ። 

ስለምንታይ ኢኻ ኣብቲ ዝግበር ምርጫ ከተድም?

– ምድማጽ ግቡእ ስለ ዝኾነ። ድምጸይ ሽወደን ከምቲ ኣነ ዝደልያ ሃገር ንኽትከውን ለውጢ ስለ ዝገብር። ነቲ ሽወደን ክህልዋ ዝደልዮ ፖለቲካ ክመርጽ እየ። 

– ብዙሓት ሰባት ድምጾም ለውጢ ኣየምጽእን እዩ ኢሎም ይኣምኑ፡ ኣብ ሽወደን ግን ነፍሲ ወከፍ ድምጺ ኣገዳስነት ኣለዎ። ደሞክራሲ ትሑዝ ነገር ኣይኮነን፡ ስለ ዘይኮነ ድማ ኵሉ ሰብ ነቲ ዘለዎ ድምጺ ክጥቀመሉ ይግብኦ። ነየናይ ሰልፊ ከም ትመርጽ ዘይትፈልጥ እንተ ዄንካ ነቲ ናይ መድመጺ ወረቐት ገለ ከየመልከትካ ጥራዩ ክትገድፎ ትኽእል ኢኻ።