Rättvik

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ምምሕዳር ከተማ ሬትቪክ፡ ኣስታት 11000 ተቐማጦ ይርከብዎ። መብዛሕትኦም ኣብ ማእከል ከተማ ሬትቪክ ዝቕመጡ ክኾኑ እንከልዉ፡ እቶም ዝትረፈ ኣብ ንኡሳን ዓዲታት ክሳብ ሰሜን ኣብ ዝርከባ ኦረን ፍሩዳልን ፋሕ ኢሎም ይርከቡ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ቁልቁለት መንሻተቲ በረድ ሬትቪክን ሬትቪከንን በረድ ኣብ ዘይተሸፈነሉ እዋን ዝተሳእለ ስእሊ።

እተን ዝዓበየ ምምሕዳር ከባቢታት ወይ ዓዲታት ሬትቪክ፡ ቪካርቢን፡ ቡዳሲርክቢን ፍሩዳልን እየን። ዝነኣድን ንናብራ ምቹእን ዝኾነ ከባብያዊ ጸጋ ኣለና በሃልቲ ኢና። ንዝመጸና ካብዚ ጸጋ'ዚ ከነካፍል ውን ድሉዋት ኢና።

መንበሪ-ገዛ

መብዛሕትኦም ነባሮ ምምሕዳር ከባቢ ሬትቪክ፡ ኣብ ናይ ገዛእ-ርእሶም ቪላታት ይቕመጡ። ኣብ ከተማታት ሬትቪክ ከማኡ ውን ዓዲታት ቪካርቢንን ፍሩዳልን ግን፡ በታ ብምምሕዳር ከተማ ናይቲ ከባቢ እትውነን ትካል ክራይ-ኣባይቲ ሬትቪክስ-ቡስተደር ዝመሓደ ዝካረ ኣባይቲ ኣሎ። ዝርዝር ናይ ትካላት ክራይ-ኣባይቲ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ ምምሕዳር ከተማ ብምእታዊ ክትረኽብዎ ትኽእሉ።

ተር ዝበለ ብዓል ሰለስተ ደርቢ ቀይሕ ሰገነት ዘለዎ ብጫ ናይ ክራይ ገዛውት፣ ብጸጋም ወገን ብንጹር ዘይርኣ ሓደ ናይ መጻወቲ ቦታ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብዚ ምምሕዳር ከባቢ'ዚ ብብዝሒ ካብ ዝዝረቡ ቋንቋታት ሽወደንን ኢንግሊዘኛን እዮም። ብዜካ'ዚ ካልእ ቋንቋታት ከም፡ ሆላንደኛ፡ ስፓኛ፡ ኖርወየኛ፡ ትግርኛ፡ ሶማለኛ፡ ዳሪ፡ ዓረበኛ፡ ፖላንድ፡ ጋየለኛ፡ ጀርመን፡ ራሻ፡ ስሎቨንያ፡ ሰርብያ፡ ጥልያን፡ ታይ (ዝተፈላለዩ ላህጃታት) ከምኡ ውን ኣልባነኛ ይርከቡ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሬትቪክ፡ ብርክት ዝበላ ማሕበራት ይርከባ። መብዛሕትአን ማሕበራት ኣዝየን ንጡፋት እየን።

ተሰሪዖም ዝኸዱ ዘለዉ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ባህላዊ ሙዚቀኛታት። ናይ ሓደ ውሱን ኣከባቢ ባህላዊ ክዳን ተኸዲኖም ቫዮሊን ይጻወቱ ኣለዉ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ማእከል ናይቲ ምምሕዳር ዝኾነ፡ ከተማ ሬትቪክ፡ ቤት-ንባን፡ ባህላዊ-ማእከል፡ መሐንበሲ ገምገም-ባሕሪ፡ ዓቐበት ጸወታ ምንሽርታት በረድ (ስላሎም)፡ ሜዳ ጸወታ ጎልፍ፡ ሜዳ ጸወታ ባንዲ፡ ሜዳ ስፖርት፡ ኣብያተ-መግቢ፡ ኣንዳ-ሻሂታት፡ ሆቴል፡ መናፈሲ ሜዳ (ካምፒን) ናይ ካሮሳ ሜዳ ካልእን ይርከብ። ኣብ ወርሓት የካቲት-ግንቦት ከማኡ ውን ጥቕምቲ-ሕዳር፡ ዕሙር ዝኾነ ዕዳጋታ ኣለና። ኣብዚ እዋናት'ዚ ዝኸፍት፡ ኣስታት 1000 ግዝያዊ ድኳናትን ኣስታት 100000 በጻሕትን ይርከቡ። ኣብ እዋን ክረምቲ (ሳመር) ኣብዚ ዕዳጋታት'ዚ ቅርስታትን ዘገልገሉ ንብረትን ዝሸጣ ድኳናት ይዕብልልኦ። 3 ዓበይቲ ድኳናት መዓልታዊ-ሃለኽቲ (ኣስቤዛ)፡ ባንኪ፡ ናይ ክዳውንቲ፡ ሳእኒ፡ ስፖርታዊ ነገራት ዝሽየጠለን ድኳናት ወይ ቡቲካት፡ ፋብሪካ ጫማ፡ ድኳናት መጻወቲ ቆልዑ፡ ድኳናን ኣበባ፡ ድኳናት ጥዕናዊ መግቢ፡ ድኳናይ ኣቍሑ-ገዛ፡ ድኳናት ቅርስታት፡ ድኳናይ ዘገልገለ-ንብረት፡ ድኳናት ማሺናት ገዛ፡ ድኳናት መሸጢ ቀለምን ሕብርን፡ ድኳናት መነጽር-ዓይኒ፡ ድኳናት ፍርያት ኢደ-ጥበብ፡ ኑቍጣ በንዚና፡ ነኣሽቱ ናይ ጎደና ረስቱራንትታት ካልእ ውን ኣብዚ ከተማ ይርከብ። ብጠቕላላ ኣብ ማእከል ከተማ ሬትቪክ ኣስታት 50 ዝተፈላለያ ድኳናት ኣለዋ። ኣብ ካልእ ዓዲታት ናይቲ ምምሕዳር ከኣ፡ ብርክት ዝበላ ተመሳሰልቲ ድኳናት ኣለዋ። ኣብ ቪካርቢን፡ ቦዳ ሺርኪቢ፡ ቢንግሾን ፍሩዳልን ውን እንተኾነ ውን ብርክት ዝበላ ድኳናት መዓልታዊ-ሃለኽቲ ውን ኣለዋ።

ከብሒ መጻሕፍቲ፡ ናይ መጽንዒ ቦታን ሒደት መንበር ዘለዎ ከቢብ ጣውላን ዘለዎ ቤት ንባብ።

ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ሓደ ኣገልግሎት ዝህብ ቤት ጽሕፈት ኣብ ሬትቪክ፡ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ድማ ኣብ ሙራ ኣለዎም። ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ፖሊስን ኣብ ሬትቪክ ኣለዉ፡ ቤት ጽሕፈት ግብሪ ድማ ኣብ ፋሉን ኣለዉ።

ኣብ መንጎ ክልተ ጠረር ናሕሲ ዘሎ መንደቕ ናይ ባህሊ ኣዳራሽ ኣብ ሬትቪክ። ናይ ጽድያ ሓምላይ ኣብ ጕሉሕ ቦታ። ሰፋሕቲ መሳዅቲ ዘለዎ ብናዊ ናይ ዕንጨቲ ገዛ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ከተማታት ሬትቪክ፡ ቪካርቢን፡ ኢንገልስ፡ ቡዳ ሺርክቢን ፍሩዳልን፡ ኣዝዩ ዝነኣድ ኣገልግሎታት ክንክንን ትምህርትን ህጻናት ኣለና። ብዜካዚ'ዚ መውዓሊ ወይ ውን ግዝያዊ መጽንሒ ህጻናት ውን ኣለና።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ከተማታት ሬትቪክ፡ ቪካርቢን፡ ሴትራ፡ ሶደርኦስ፡ ኢንገልስ፡ ቦዳ ሺርካቢን ፍሩዳልን ካብ 1-5ይ ክፍሊ ተመሃሮ ዝቕበላ ናይ መባእታ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣለዋ። ካብ 6ይ ክሳብ 9ይ ክፍሊ ዘአንግዳ ኣብያተ-ትምህርቲ ከኣ፡ ኣብ ሬትቪክስ ፍሩዳልን። ፍሉይ ቤት-ትምህርቲ ከምኡ ውን ፍሉይ ዝኾነ ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ ከተማ ሬትቪክጥራይ ኣለዋ። ብዜካ'ዚ ኣብ ሬትቪክ ናይ ሙዚቃ ቤት-ትምህርቲ ውን ኣላ።

ዓበይቲ ፊልም እንዳልዓሉን እንዳተባብዑን ከለዉ ኣብ ናይ መባእታዊ ትምህርቲ ክሊ ዕድመ ዘለዉ ቈልዑ ኣብ ሓደ ናይ ስፖርት ኣጋጣሚ ይሳተፉ ኣለዉ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብቲ ብከተማታት ሌክሳንድን ሬትቪክን ዝመሓደር ማእከል ትምርህቲ ንዓበይቲ፡ ትምርህቲ ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ ክትመሃሩ ትኽእሉ። ኣብዚ ማእከል፡ ትምርህቲ ክንክን ምሕብሓብን፡ ግብራዊ ሞያዊ ትምህርታት፡ ከምኡ ውን ናይ ካልኣይ ደረጃ ኮርሳት ብርሕቀት፡ መባእታዊ ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ኮርሳት ከምኡ ውን ፍሉይ ትምህርቲ ንዓበይቲ ክትመሃር ትኽእል። ንትምህርቲ ወይ ውን ሞያዊ ምርጫ ክትገብሩ ምስ ትደልዩ ከምኡ ውን ናይ ትምህርቲ ውጥን ክትገብሩ ምስ እትደልዩ ምስ ናይ ሞያን ትምህርትን ኣማኻሪ፡ ክትዘራረቡ ትኽእሉ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ማእከል ከተማ ሬትቪክ፡ ፋርማሲ፡ ጥዕናዊ-ማእከል፡ ክፍሊ-ጥዕና ኣዴታት፡ ነፍሰ-ጾራት፡ ክፍሊ ቆልዑ፡ ክፍሊ ክንክን ስኒ፡ ከምኡ ውን ክፍሊ ተሃድሶን፡ ጥዕናዊ ክፍሊ መንእሰያት፡ ክፍሊ ስፖርታዊ ንጥፈታት ካልእን ይርከብ። ብዜካ'ዚ ናይ ግሊ ማእከላት ጥዕና ውን ኣብቲ ከተማ ይርከብ። ኣብዚ ግላዊ ማእከል ጥዕናታት'ዚ፡ ጥዕናዊ ቁጽጽር ክትገርቡ፡ ምስ ሓኪም ክትራኸቡን ከምኡ ውን ክታበት ይወሃብ። ኩሎም ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ዕድል ጥዕናዊ ዝርርብ ምስ ሓኪም ይወሃቦም። እዚ ብነጻ ዝኾነ ጥዕናዊ ዝርርብ'ዚ፡ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣብ ሽወደን ከመይ ከም ዝኾነ ሓፈሻዊ ስእሊ ንምሃብ ውን ዝዓለመ እዩ። ህጹጽ ሕክምናዊ ክንክን ዝህባ ሆስፒታላት ኣብ ከተማታት ሙራን ፋሉንን ይርከባ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ ሕክምና ወይ ምምሕዳር ከተማ ቆጸራ ምስ እትሕዙ፡ ተርጓማይ ክግበረልኩም መሰል ኣለኩም። ቆጸራ ክትሕዙ እንከለኹም ተርጓሚ ክግበረልኩም ሓብሩ። ትሕቲ-ዕድመ ዝኾኑ ስደተኛታት፡ ከም ወላዲ ኮይኑ ዝኣልዮም ሰብ ስለዝግበረሎም፡ ኣብ ዝግበር ርኽክባት፡ ባዕሉ ተርጓሚ ከም ዝሕዘሎም ይገብር።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ ማእከል ከተማ ሬትቪክ፡ ባቡራትን ኣውቶቡሳትን ዘነቕላሉን ዝመጽኣሉን ማእከል-መጎዓዝያ ኣሎ። ናብ ፋሉን፡ ቡርለንገ፡ ሌክሳንድ ሙራን እንዳተመላለስኩም ክትሰርሑ ምስ እትደልዩ ስሉጥ ናይ መጎዓዝያ ዕድላት ኣሎ። ብባቡር ክትገሹ ንእትደልዩ ንሰዓታት ንቕሎ ባቡር ብዝምልከት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ኤስ-ጀይ ከምኡ ውን ቶግካምፓኒየት ብምእታው ክትርእዩ ትኽእሉ። ኣብ ውሽጢ ከተማን ኣብቲ ዞባን ዝንቀስቅቐሳ ኣውቶቡሳት ውን ኣለዋ።

ብመኪና ክትጎዓዙ ምስ እትደልዩ፡ ናብ ሌክሳንድ 19 ደቃይቕ፡ ናብ ቡርሌንገ 53 ደቃይቕ፡ ናብ ፋሉን 42 ከምኡ ውን ናብ ሙራ 30 ደቓይቕ ይወስድ። ብመኪና ወይ ብባቡር ናብ ስቶክሆልም ኣስታት 3 ሰዓታት ይወስድ። ብኣቅቶቡስ ከኣ፡ ኣስታት 3 ሰዓትን ፈረቓን ይወስድ። ማስኤክስፕረሰን ዝተባህለ ትካል ኣውቶቡሳት ኣብ መንጎ ሙራን ስቶክሆልምን መስመራት ኣለዎ። ትካል መጎዓዝያ ኣውቶቡሳት ስዌቡስ ብወገኑ ኣብ መንጎ ስቶክሆልምን ዮተቦርን ይመላለስ።

እቲ ካብ ስቶክሆልም ናብ ማሬሃምን ዘሎ መስመር መጎዓዝያ ብመርከብ ዝውንን ትካል ቢርካ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ካብዚ ቦታ ዝነቕላ ኣውቶቡሳት ኣለዉኦ። ብተመሳሳሊ ትካል ቫይኪንግላይን፡ ናብታ ኣብ ስቶክሆልም እትረከብ መርከቦም ዘተኣሳስራ ኣውቶቡሳት ኣለዎ። ትካል ቫይኪንግላይን፡ ብመራኽብ ካብ ስቶክሆልም ናብ ኦላንድ፡ ኦቦን ሄልስንኪን ዝኸዳ መስመር መጎዓዝያ መራኽብ ኣለዎ።

ብዛዕባ ኣብዚ ኮሙን ዘሎ ህዝባዊ መጓዓዝያ ብዝያዳ ኣንብብ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ንግዳዊ ጽላት ምምሕዳር ከተማ ሬትቪክ፡ ብነኣሽቱ ትካላትን እብ ምዕባይ ዝርከቡ ነጋዶን ዝተዓብለለ እዩ። ብዙሓት ሰባት ናይ ግሊ ትካል ብምጅማር፡ ደሓን ዝኾነ ውጽኢታት ኣብ ምግባር ይርከቡ። ተበላሓትነትን ኣፍራይነትን እምበኣር ሕመረት ንግዳዊ ጽላት ናይ'ዚ ከባቢ እዩ።

ናይ ሰሉስ ደስታ፡ ናይ ኣደባባይ ዕዳጋ፡ ሙዚቃን መግብን ኣብ ሬትቪክ።

ዝዓበየ ምንቕስቃስ ዝረኣየሎም ንግዳዊ ጽላታት ናይዚ ከባቢ'ዚ፡ ቱሪስም፡ ሸቐጥ፡ ስርሓት-ዕንጨት፡ መሬትን ኣግራብን የጠቓልል። ብዜካ'ዚ፡ ኣብቲ ቦታ፡ ብርክት ዝበላ ኣብ መዳይ ቴክኒክ፡ ህንጻ፡ ስእላዊ-ቅርጻ ዝነጥፋ ፋብሪካታት ውን ኣለዋ።

ንግዳዊ ምንቅስቓስ ናይ'ዚ ዞባ'ዚ፡ ኣብ ምዕባይ ዝርከብ ኮይኑ፡ ቤት-ጽሕፈት ንግዲ ናይቲ ከተማ ኸኣ ንኹሎም ንግዳዊ ተዋሳእቲ ናይቲ ቦታ ዘድሊ ኣሳልጦታትን ምትሕብባርን ኣብ ምግባር ኣውንታዊ ተራ ይጻወት።