ስራሕ ምርካብ
ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 20 1 2025
ስራሕ፡ ብብዙሕ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ክትደሊ ትኽእል ኢኻ።
- ናብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ኬድካ ብመንገዲ ናቶም ምልክታታት ናይ ክፉት ስራሓት፡ ስራሕ ክትደሊ ትኽእል ኢኻ።
- ምስ ትካል ምምልማል ሰራሕተኛታት ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ሓደ ትካል ምምልማል ሰራሕተኛታት ንዝተፈላለያ ትካላት ሰራሕተኛታት የካሪ።
- ምስ ትካል ምቝጻር ሰራሕተኛታት ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ሓደ ትካል ምቝጻር ሰራሕተኛታት፡ ሓድሽ ሰራሕተኛ ክቘጽራ ንዝደልያ ትካላት ሰብ ይረኽበለን።
- ኣብ ጋዜጣታት ወይ ኣብ ኢንተርነት ንዝወጽእ ምልክታ መልሲ ክትህበሉ ትኽእል።
- ምስ ሓደ ወሃብ ስራሕ ርክብ ክትገብር ትኽእል።
- ንትፈልጦም ሰባት ክትሓትት ትኽእል።
ሰሪሕካ ደሞዝ ንኽትረክብ፡ ደሞዝካ ክኣትወሉ ዝኽእል ሓደ ናይ ባንክ ሕሳብ ምኽፋት የድልየካ።