ኣብ ሽወደን ንስራሕ ተቐራረብ
ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 28 4 2025
ኣብ ሽወደን ንኽትሰርሕ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክትዳሎ ትኽእል ኢኻ። ክትጥቀመሉ ትኽእል ኣብ ኣርበትስፎርመድሊንግ ዘሎ ናይ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ሓበሬታ ኣብዚ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ሽወደን ክትጥቀመሉ እትደሊ ናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርቲ ምስ ዝህልወካ እንታይ ክትገብር ከም ዘድልየካ እውን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ሞያታት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ኣርቤትስፎርሜድሊንገን ብዝያዳ ኣንብብ
ኣየናይ ሞያ ከም ዝሰማምዓካ ወይ እቲ ናትካ ሞያ ኣብ ሽወደን እንታይ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ርግጸኛ እንተ ዘይኴንካ፡ ኣብ ኣርበትስፎርመድሊንግ ኣገልግሎት ሂታ ይርከን (Hitta yrken) ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ኣገልግሎት ንኣብነት ብዛዕባ እዚ ዝስዕብ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ፦
- ዕማማት ናይ ዝተፈላለዩ ሞያታት
- ኣብ ዝተፈላለየ ሞያታት ዘሎ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድል
- ኣብ ዝተፈላለየ ሞያታት ስራሕ ንኽትረክብ እንታይ ዓይነት ትምህርትን ተመኩሮን ክህልወካ ከም ዝግባእ።
ንሓያሎ ካብቶም ሞያታት ዝገልጹ ፊልምታት እውን ኣለዉ።
ኣስራሕቲ ምእንቲ ክረኽቡኻ ክኽእሉ ሓደ ፕሮፋይል (ብዛዕባ ህይወትካ፡ ትምህርትኻን ተመኩሮኻን ሓጺር ጸብጻብ) ኣዳሉ
ኣብ ኣርበትስፎርመድሊንግ ሓደ ናይ ዓቕሚ ፕሮፋይል (ብዛዕባ ክእለትካን ተመኩሮኻን ዝገልጽ ሓጺር ጸብጻብ) ብምድላው ንኣስራሕቲ ብቐሊሉ ከም ዝረኽቡኻ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ናይ ዓቕሚ ፕሮፋይል፡ ክእለትካን ናይ ስራሕ ተመኩሮኻን ትመልእ።
ናይ ዓቕሚ ፕሮፋይል ንምድላው ኢ-መይል ኣድራሻ ክህልወካ የድሊ።
ናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርቲ ኣንተ ኣሎካ ኾይኑ
ሓታት ዕቝባ ኣብ ዘለኻሉ እዋን፡ ናትካ ወረቓቕቲ ምስክር ከተተርጕሞ ወይ ናይ ወጻኢ ዓዲ ትምህርትኻ ከተገምግሞ ትኽእል ኢኻ። እዚ ኣብ ሽወደን ስራሕ ንምድላይ ጽቡቕ መቀራረቢ ኣገባብ እዩ።
ምትርጓም ናይ ወጻኢ ሃገር ወረቐት ምስክር
ሓደ ናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርቲ እንተ ኣሎካ ኾይኑ እሞ እቶም ሰነዳት ናይ ትምህርትኻ ካብ ብእንግሊዝኛ፡ ፈረንሳይኛ፡ እስጳንኛ፡ ጀርመንኛ ወይ ቋንቋታት ስካንዲናቭያ ብኻልእ እንተ ኾይኖም ከተተርጕሞም ኣሎካ።
እቲ ምትርጓም ናብ ሽወደንኛ ወይ ገለ ናብቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ቋንቋታት ብሓደ ፍቓድ ዘለዎ ተርጓሚ ክግበር ኣለዎ።
ገምጋም ንናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርቲ
ከምኡ'ውን ነቲ ናትካ ናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርቲ ከተገምግሞ ትኽእል ኢኻ። እዚ ናይ ዩኒቨርሲቲን ኮለጅን ሽማግለ እቲ ናትካ ትምህርቲ መዳርግቲ ኣየናይ ትምህርቲ ኣብቲ ናይ ሽወደን ስርዓተ ትምህርቲ ምኳኑ ዘርኢ ርእይቶ ይጽሕፍ ማለት እዩ።
ቅድሚ ነቲ ግምገማ ምምልካትካ መንበሪ ፍቓድ ረኺብካ ምንባር ኣየድልየካን እዩ። ንመንበሪ ፍቓድ ኣመልኪትካ ምንባርን ሓደ ኤልኤምኣ-ካርድ እንተ ኣለካን እኹል እዩ።
ምስቲ ቅዳሕ ናይ ምልክታኻ ሓደ ቅዳሕ ናይ ፓስፖርትኻን ሓደ ቅዳሕ ናይ ኤልኤምኣ-ካርድኻን ኣተሓሒዝካ ክትልእኽ ኣሎካ።