ኣብ ሽወደን ንስራሕ ተቐራረብ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 12 2023

ኣብ ሽወደን ንስራሕ ትቀራረበሉ ብዙሕ ዝተፈላለየ ኣገባባት ኣሎ።

ኣብ jobskills.se እንታይ ከም ትኽእል ኣርኢ!

jobskills.se ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ዘማዕበልዎ ሓደ ኣሃዛዊ (ናይ ኮምፕዩተር) መሳርሒ እዩ። ኣብ jobskills.se ቅድሚ ሕጂ እንታይ ከም ትሰርሕ ዝነበርካን ኣየኖት ካልኦት ፍልጠታትን ተመኩሮታትን ከም ዘሎዉኻ ክትመልእ ትኽእል።

እቲ ሓበሬታ ብሽወደንኛ፡ ዓረብኛ፡ እንግሊዝኛ፡ ፋርስኛ፡ ሶማልኛ ወይ ትግርኛ ክትመልኦ ትኽእል ኢኻ።

እዚ መሳርሒ ብመሰረት እቲ ዝመላእካዮ ንዓኻ ሓደ ጸብጻብ (ሓጺር ታሪኽ ሂወት) የዳልወልካ። እቲ ጸብጻብ ናብ ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ስራሕ ክትልእኮ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። እቲ ጸብጻብ ብኡንብኡ ናብ ሽወደንኛ ይቱርጐም እዩ።

ኣብ jobskills.se ነዚ ዝስዕብ ክትገብር ትኽእል።

  • ተሞኩሮታትካን ዓቕምታትካን ተርኢ
  • ብመሰረት ናትካ ድሕረ-ባይታ ስራሕ ንኽትረክብ እንታይ ክትገብር ከም ትኽእል ምኽሪ ትረክብ
  • ናትካ ጸብጻብ (ታሪኽ ሂወት) ናብ ሽወደንኛ ይትርጐመልካ
  • ናትካ ጸብጻብ (ታሪኽ ሂወት) ናብ ወሃብቲ ስራሕ ትልእኮ

እቲ ኣብ jobskills.se ትመልኦ፡ ንናትካ ናይ ዕቝባ ሕቶ ውሳነ ኣብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ኣይክጸልዎን እዩ።

ሞያታት ኣብ ሽወደን

ኣየናይ ሞያ ከም ዝሰማምዓካ ወይ እቲ ናትካ ሞያ ኣብ ሽወደን እንታይ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ርግጸኛ እንተ ዘይኴንካ፡ ካብ ኣገልግሎት ሂታ ይርከን (Hitta yrken) ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ሂታ ይርከን (Hitta yrken) ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ዘማዕበልዎ ሓደ ኣሃዛዊ መሳርሒ እዩ።

ኣብ ኣገልግሎት ሂታ ይርከን (Hitta yrken) ብዛዕባ እዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ኣሎ፤

  • ትርጕም ናይ ዝተፈላለዩ ሞያታት
  • ኣብ ውሽጢ ሓደ ፍሉይ ሞያ፡ ስራሕ ናይ ምርካብ ዘሎ ዕድል ክሳብ ክንደይ ዓቢይ ምኳኑ።
  • ኣብ ውሽጢ ዝተፈላለዩ ሞያታት ስራሕ ንምርካብ ኣየናይ ትምህርትን ተሞኩሮን ክህልወካ ከም ዘለዎ።

ንመብዛሕትኦም እቶም ሞያታት ዝገልጹ ፊልምታት እውን ኣሎዉ።

ናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርቲ ኣንተ ኣሎካ ኾይኑ

ሓታት ዕቝባ ኣብ ዘለኻሉ እዋን፡ ናትካ ወረቓቕቲ ምስክር ከተተርጕሞ ወይ ናይ ወጻኢ ዓዲ ትምህርትኻ ከተገምግሞ ትኽእል ኢኻ። እዚ ኣብ ሽወደን ስራሕ ንምድላይ ጽቡቕ መቀራረቢ ኣገባብ እዩ።

ምትርጓም ናይ ወጻኢ ሃገር ወረቐት ምስክር

ሓደ ናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርቲ እንተ ኣሎካ ኾይኑ እሞ እቶም ሰነዳት ናይ ትምህርትኻ ካብ ብእንግሊዝኛ፡ ፈረንሳይኛ፡ እስጳንኛ፡ ጀርመንኛ ወይ ቋንቋታት ስካንዲናቭያ ብኻልእ እንተ ኾይኖም ከተተርጕሞም ኣሎካ።

እቲ ምትርጓም ናብ ሽወደንኛ ወይ ገለ ናብቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ቋንቋታት ብሓደ ፍቓድ ዘለዎ ተርጓሚ ክግበር ኣለዎ።

ገምጋም ንናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርቲ

ከምኡ'ውን ነቲ ናትካ ናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርቲ ከተገምግሞ ትኽእል ኢኻ። እዚ ናይ ዩኒቨርሲቲን ኮለጅን ሽማግለ እቲ ናትካ ትምህርቲ መዳርግቲ ኣየናይ ትምህርቲ ኣብቲ ናይ ሽወደን ስርዓተ ትምህርቲ ምኳኑ ዘርኢ ርእይቶ ይጽሕፍ ማለት እዩ።

ቅድሚ ነቲ ግምገማ ምምልካትካ መንበሪ ፍቓድ ረኺብካ ምንባር ኣየድልየካን እዩ። ንመንበሪ ፍቓድ ኣመልኪትካ ምንባርን ሓደ ኤልኤምኣ-ካርድ እንተ ኣለካን እኹል እዩ።

ምስቲ ቅዳሕ ናይ ምልክታኻ ሓደ ቅዳሕ ናይ ፓስፖርትኻን ሓደ ቅዳሕ ናይ ኤልኤምኣ-ካርድኻን ኣተሓሒዝካ ክትልእኽ ኣሎካ።