ናትካ ትካል ምብጋስ ዕቝባ ሓቲትካ መልሲ ኣብ ትጽበየሉ ግዜ
ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 3 6 2025
ሓታቲ ዕቝባ ኣብ ዘለኻሉ እዋን ናይ ባዕልኻ ትካል ክትከፍት ትኽእል ኢኻ። እንታይ ክትገብር ከም ዘድልየካ ኣብዚ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ናይ ባዕልካ ትካል ንምኽፋት እዚ ዝስዕብ ናይ ግድን የድልየካ፦
- ኤፍ-ስካት (ናይ ትካላት ግብሪ) ንኽህልወካ ብቑዕ ክትከውን
- ግዝያዊ ቍጽሪ መንነት (samordningsnummer) ክህልወካ
ኤፍ-ስካት
ናይ ባዕልካ ትካል ንምኽፋት ኤፍ-ስካት ክህልወካ ናይ ግድን ብቑዕ ክትከውን ኣለካ። ኤፍ-ስካት ኣሕጽሮተ ቃል ናይ ትካላት ግብሪ እዩ። ኤፍ-ስካት ክህልወካ ብቑዕ ንኽትከውን ኣብ ናይ ብዓል መዚ ግብሪ (Skatteverket) መርበብ ሓበሬታ ኣቲካ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።
ግዝያዊ ቍጽሪ መንነት (samordningsnummer)
ግዝያዊ ቍጽሪ መንነት ንዓኻ ውልቃዊ ቍጽሪ መንነት ዘይብልካ ዝወሃብ ቍጽሪ መንነት እዩ። ኤፍ-ስካት ክህልወካ ብቑዕ ንኽትከውን ከተመልክት ከለኻ ካብ ብዓል መዚ ግብሪ ግዝያዊ ቍጽሪ መንነት ክወሃበካ ይኽእል እዩ።