ናትካ ትካል ምብጋስ ዕቝባ ሓቲትካ መልሲ ኣብ ትጽበየሉ ግዜ
ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 2 4 2025
ሓታት ዕቝባ ኣብ ዘሎኻሉ ግዜ ናትካ ትካል ከተበግስ ትኽእል ኢኻ።
ናትካ ትካል ንኸተበግስ ነዚ ዝስዕብ ከተማልእ ኣሎካ፡
- ንናይ ትካል ግብሪ ፍቓድ ዘሎካ ክትከውን። እዚ ኤፍ-ስካት ይብሃል።
- ሕኣደ መዛመዲ ቍጽሪ (samordningsnummer) ክህልወካ
ግብሪ ትካል
ግብሪ ትካል ኵሉ ግዜ ናብ ኤፍ-ስካት ይሓጽር። ኵልን ትካላት ንኤፍ-ስካት ካብ ብዓል መዚ ግብሪ ፍቓድ ክህልወን ኣሎዎ። ናይ ኤፍ-ስካት ፍቓድ ንኽህልወካ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ብዓል መዚ ግብሪ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።
ብዛዕባ ኤፍ-ስካት ብዝያዳ ኣንብብ
መዛመዲ ቍጽሪ (samordningsnummer)
ሓደ መዛመዲ ቍጽሪ ሓደ ዓይነት ግዝያዊ ውልቃዊ ቍጽሪ መንነት እዩ። ባዕልኻ ንሓደ መዛመዲ ቍጽሪ ከተመልክት ኣይትኽእልን ኢኻ። ካብ ብዓል መዚ ግብሪ ንኤፍ-ስካት እንተ ኣመልኪትካ፡ ብዓል መዚ ግብሪ ንዓኻ ሓደ መዛመዲ ቍጽሪ ከመልክቱልካ ይኽእሉ እዮም።