ዕቝባ ምሕታት

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 29 5 2023

ናይ ዕቕባ ሕቶካ ናብ ሓደ ካብቶም ናይ ኣሃዱታት ምልክታ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ከተእትዎ ኣሎካ። ኣሃዱታት ምልክታ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ኣብ ዮተቦርይ፡ ማልሞን ስቶኮልምን ኣለዉ።

ብዘይ ወለዶም ናብ ሽወደን ዝመጹ ቈልዑ፡ ኣብ ቡደን፡ ኖርሾፒንግ፡ ሱንድስቫል፡ ኡመኦ፡ ኡፕሳላን ኦረብሩን ዕቝባ ክሓቱ እውን ይኽእሉ እዮም።

ነፍስ ወከፍ ሓታቲ ዕቝባ ብውልቂ ክምርመር ኣለዎ። እዚ፡ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ኣብ ሽወደን ነቲ ናትካ ዕቝባ መሕተቲካ ምኽንያት ብፍላይ ይምርምር ማለት እዩ።

ዕቝባ ክትሓትት ከለኻ ነዚ ዝስዕብ ክትገብር ኣሎካ፡

  • ንኣብነት ብዛዕባ ስምካ፡ ዜግነትን ስድራኻን ሕቶ ዘሎዎም ቅጥዒታት ምምላእ።
  • መን ምኳንካ ንኸተርኢ ፓስፖርት ወይ ካልኦት ናይ መንነት ሰነዳት ምእታው።
  • ክትሰኣል።
  • ኣሰር ኢድካ ምግዳፍ። እቲ ኣሰር ኢድ፡ ኣብ ካልእ ሃገር ኣብ ኤውሮጳ ዕቝባ ሓቲትካ እንተ ኾንካ፡ ወይ ፍቃድ ወይ ኣብ ካልእ ሃገር ኣብ ኤውሮጳ ንኽትነብር ክልከላ እንተ ኣለካ ኾይኑ ንምርኣይ ይጠቅም።
  • መን ምኳንካ ንብዓል መዚ ኢሚግራሽን ንገሮም። ንኣብነት ስለ ምንታይ ንሃገርካ ከም ዝገደፍካን ከመይ ጌርካ ናብ ሽወደን ከም ዝተጓዓዝካን ንምንጋር ካብ ሓደ ኣስተርጓሚ ሓገዝ ክትረክብ ኢኻ።
  • ናይ ባዕልኻ ገንዘብ እንተ ዘይብልካ ኾንካ ቍጠባዊ ሓገዝ ምምልካት። ሓደ ካርድ ባንክን ብዛዕባ ኣየኖት ቍጠባዊ ሓገዝ ክትሓትት ከም ትኽእልን ሓበሬታ ትረክብ።
  • ብዛዕባ መስርሕ ዕቝባ ሓበሬታ ርኸብ። እቲ ቀጻሊ ስጕምቲ እንታይ ምኳኑን እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካን።
  • ብዛዕባ ተግባራውያን ኣርእስትታት ሓበሬታ ርኸብ። ንኣብነት ናይ መንበሪን ሕክምናን ከምኡ'ውን ቤት ትምህርቲ ንቈልዑን ዘሎካ መሰል።

ድሕሪ ናይ ዕቝባ ምልክታኻ ምእታውካ ሓደ ቅብሊት ክወሃበካ እዩ። እዚ ዕቝባ ሓቲትካ ከም ዘሎኻ መረጋገጺ እዩ።

ሓደ ተሓዝ ጕዳይ ኣብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ነቲ ናይ ዕቝባ ሕቶካ ክርእዮ እዩ። እቲ ተሓዝ ጕዳይ ነቲ ዝነገርካዮን ምድላይ ኣሰር ኢድካ እንታይ ከም ዘርኣየን ይርእዮ። ድሕሪኡ እቲ ተሓዝ ጕዳይ እቲ ናትካ ምልክታ ክሳብ ክንደይ ክምርመር ከም ዘሎዎ ይውስን።

እቲ ተሓዝ ጕዳይ የድልየካ እዩ ኢሉ እንተ ገምጊሙ ሓደ ሕጋዊ ተሓጋጋዚ ክወሃበካ ይኽእል እዩ። ሓደ ሕጋዊ ተሓጋጋዚ፡ ኣብ ምልክታ ዕቝባኻ ክሕግዘካ ዝኽእል ክኢላ ሕጊ ወይ ጠበቓ እዩ።

ኣብ እቲ ምልክታኻ ገለ ነገር እንተ ጐዲሉ እቲ ተሓዝ ጕዳይ ምሳኻ ርክብ ክገብር እዩ። እዚ ንኣብነት እቲ ናይ ዕቝባ ምልክታኻ ከተእትዎ ከለኻ ሓደ ሓደ ሰነዳት መንነት እንተ ዘይገዲፍካ ኾንካ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ነዊሕ ተርታ ክህልዎ ይኽእል እዩ። ንስኻ ድማ ናብቲ ብዛዕባ ዕቕባኻ ዚግበረልካ ምርመራ ክሳዕ ትመጽእ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ። እቲ ናይ ትጽቢት ግዜ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝተፈላለየ ንውሓት ክህልዎ ይኽእል እዩ። ኵሎም ናይ ዕቝባ ምርመራታት ዝተፈላለዩ እዮም። ስለዚ ንኽትምርምሮም ድማ ዝተፈላለየ ግዜ ይወስዱ።

ምርመራ ዕቝባ ንምግባር ትመጻሉ ተርታ ምስ ኣኸለ፡ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ሓደ ደብዳበ ናባኻ ይልእኩ። ኣብቲ ደብዳቤ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ተሓዝ ጕዳይ መዓስን ኣበይን ከም ትረኽቦም ሰፊሩ ኣሎ።

ደብዳበ ክሰዱልካ ኸሎዉ ምእንቲ ኣድራሻኻ ክህልዎም፡ እንተ ግዒዝካ ንብዓል መዚ ኢሚግረሽን ክትሕብሮም ኣገዳሲ እዩ።

ሓደ ምርመራ ዕቝባ፡ ንስኻ መን ምኳንካን ስለ ምንታይ ካብ ሃገርካ ከም ዝወጻእካን ትነግረሉ ዝርርብ እዩ። ከምኡ'ውን ናብ ሃገርካ ክትምለስ እንተ ተገዲድካ እንታይ ከጋጥመኒ ይኽእል ኢልካ ከም ትኣምን ክትነግር ኢኻ።

እቲ ናይ ዕቝባ ምርመራ ኣብ ዝግበረሉ እዋን ናይ ግድን ሓቂ ክትዛረብ ኣሎካ። ኵሉ ዕቝባ መሕተቲኻ ምኽንያት ንኽትነግር ሓላፍነት ዘሎካ ንስኻ ኢኻ። ንናይ ዕቝባ መሕተቲካ ምኽንያት ኣገዳስነት ዘሎዎ ነገር ክትገድፍ ኣይፍቀደካን እዩ። ሓቂ እንተ ዘይተዛሪብካ ወይ ነቲ ዝነገርካዮ እንተ ለዊጥካ፡ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ነቲ ናይ ዕቝባ ሕቶኻ ዝገብሮ ውሳነ ክጸልዎ ይኽእል እዩ። ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ክርእዮ ትደሊ ተወሳኺ ጭብጢ እንተ ኣለካ ኾይኑ ናብቲ ምርመራ ሒዝካዮ ክትመጽእ ኣሎካ።

ድሕሪ እቲ ናይ ዕቝባ ምርመራ ምግባሩን ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ናቱ ውሳነ ምውሳኑን፡ እቲ ናይ ዕቝባ ሕቶኻ ክቕበል ወይ ክንጸግ ምዃኑ ሓደ ውሳነ ይወሃበካ።

ናይ ሓደ ቈልዓ ምኽንያት ዕቝባ ብውልቂ ደረጃ ክርአ ኣሎዎ። ሓደ ቈልዓ ካብቲ ወለዱ ዘሎዎም ፍልይ ዝበለ ምኽንያት ዕቝባ ክህልዎ ይኽእል እዩ።

ምስ ወለዱ ብሓባር ዕቝባ ዝሓትት ቈልዓ፡ ወለዱ እንተ ኣፍቂዶም ነቲ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ተሓዝ ጕዳይ ክረኽቦ መሰል ኣሎዎ። ናይቲ ቈልዓ ምኽንያት ዕቝባ ኣብ ዝምርመረሉ እውን እቲ ተሓዝ ጕዳይ ነቲ ምርመራ ምስቲ ናይ ቈልዓ ዕድመ፡ ብስለትን ጥዕናን ከሰማምዖ ኣሎዎ።

ኣብ እዋን ምርመራ እቲ ቈልዓ ሓደ ዓቢ ሰብ ምስኡ ክህሉ መሰል ኣሎዎ። እዚ ወላዲ፡ ካልእ መጕዚ ወይ ሓደ ሕጋዊ ተሓጋጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብዘይ ወላዲ ዝመጸ ቈልዓ ኣብ እዋን ምርመራ ኵሉ ግዜ ምስ ናቱ ሕጋዊ ኣላዪ ክህሉ መሰል ኣሎዎ።