መሰላት ኣብ እዋን ዕቕባ ተሓቲትሉ ዘሎ ግዜ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 10 5 2023

ዕቝባ ሓቲትካ ኣብ ዘሎኻሉ እዋን፡ ዘድልየካ እንተ ኾይኑ፡ መሰል ናይ ካልእ ገዲፍካ፡ ክንክን ጥዕና፡ መንበሪ ገዛን ቍጠባዊ ሓገዝን ኣሎካ። ኣብዚ ኣየኖት መሰላት ከም ዘሎዉኻ ብዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ናይ ህጹጽ ሕክምናን ህጹጽ ሕክምና ስኒን ሓታቲ ዕቝባ ኣብ ዘሎኻሉ ግዜ፡ ክጸንሕ ዘይክእል ሕማምን ሕክምና ምርካብ መሰል ኣሎካ። ከምኡ'ውን ናይ ክንክን ሕርሲ፡ ክንክን ኣብ እዋን ምንጻል ጥንሲ፡ ምኽሪ ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ፡ ክንክን ጥዕና ኣደታትን ሕክምና ብመሰረት ሕጊ ምክልኻል ተላገብቲ ሕማማትን መሰል ኣሎካ።

ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾኑ ሓተትቲ ዕቝባ ቈልዑን መንእሰያትን፡ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ቈልዑ፡ ናይ ሕክምናን ሕክምና ስኒን ማዕረ መሰል ኣሎዎም። መብዛሕትኡ ግዜ ሕክምና ንቈልዑ ብናጻ እዩ።

ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ውሳነ ኣብ ትጽበየሉ ግዜ ሓደ ግዝያዊ መንበሪ ይቕርበልካ። ገንዘብ ዘይብልካ እንተ ኾንካ፡ ነቲ መንበሪ ገዛ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ይኸፍሎ።

ብፍሉይ ኣብ ንሓደ ሓደጋዊ ኵነት ተቃሊዕካ እንተ'ለካ ኾንካ፡ ምስቲ ድልየታትካ ዝሰማማዕ ሓደ መንበሪ ንኽወሃበካ መሰል ኣሎካ። እዚ ንኣብነት ከም'ዚ ዝስዕብ እንተ ኾንካ ይምልከተካ፡

  • ግብረ-ሰዶማዊ፡ ድርብ ጾታዊ፡ ስግረ-ጾተኛ ወይ ኵየር
  • ሸምጊልካን ብፍሉይ ክማልኡልካ ዘድልዮም ነገራት ኣሎዉን
  • ነፍሰ ጾር ኢኺ
  • ትሕቲ 18 ዓመቱ ቈልዓ ሒዝኪ/ኻ በይኒኺ ወይ በይንኻ ኢኺ/ኻ
  • ናብ ሽወደን ብዘይ ወለድኻ ዝመጻእካን ትሕቲ 18 ዓመትን ዲኻ
  • ብብርቱዕ ዝሓመምካ ኢኻ
  • ስንክልና ኣሎካ
  • ስነ ኣእምሮኣዊ ጸገም ኣሎካ
  • ብምኽንያት ዝተመኰርካዮ፡ ንኣብነት ናይ መሰጋገርቲ ሰብ፡ ስቓይ፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ግዝረት ጓልንስተይቲ ወይ ካልኦት ዓይነት ስነ ኣእምሮኣዊ፡ ኣካላዊ ወይ ጾታዊ ዓመጽ ግዳይ ዄንካ/ኪ እንተ ኔርካ ንዓኻ ብፍላይ ዝሰማማዕ መንበሪ የድልየካ እዩ።

ንዓኻ ብፍሉይ ዝሰማማዕ መንበሪ ዘድልየካ እንተ ኾይኑ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ምስ ኣሃዱ ቅበላ በዓል መዚ ኢሚግረሽን ተዘራረብ።

ብቐዳምነት ባዕልኻ መነባብሮኻ ክትክእል ኣሎካ። ገንዘብ ዘይብልካ ወይ ገንዘብ ከተእቱ ዘይትኽእል እንተ ኾንካ፡ ካብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ንቝጠባዊ ሓገዝ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ሓታት ዕቚባ ኣብ ዘሎኻሉ እዋን ናይ ምስራሕ መሰል ንኽህልወካ: ነቲ ዘእተኻዮ ሕቶ ዕቝባ ሓደ ውሳነ ኣብ ትጽበየሉ እዋን ንኽትሰርሓ ከም ዝፍቀደካ ዘርኢ ሓደ ምስክር ወረቐት ናይ ግድን ክህልወካ ኣሎዎ። እዚ ምቕባል ሕድገት ፍቓድ ስራሕ (AT-UND) ይብሃል። ሕድገት ፍቓድ ስራሕ ካብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ክወሃበካ ይኽእል።

ንዓኻ ብኣካላ ወይ ብኣእምሮ ዝጸልወካ ድኽመት ተግባራዊ ዓቕሚ እንተ ኣሎካ ኾይኑ፡ እዚ ስንክልና ምህላው ይብሃል። ንስኻ ስንክልና ዘሎካ ዕቝባ ሓቲትካሉ ኣብ ዘሎካ እዋን ፍሉያት መሰላት ኣሎዉኻ።

  • ዕቝባ ኣብ ትሓተሉ እዋን ምስ ተሓዝቲ ጕዳይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ክትዛረብ ከሎኻ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
  • ናይ ሓደ ብፍሉይ ከም ዝሰማማዕ ዝተገብረ መንበሪ መሰል ኣሎካ።
  • መንበሪ ፍቓድ እንተ ተዋሂቡካ፡ ናብ ናይ ሽወደን ሕብረተሰብ ንኽትኣቱ ዘቃልለልካ ሓገዝ ንኽትረክብ መሰል ኣሎካ።

ብዓል መዚ ንተሳትፎ (Myndigheten för delaktighet (MFD)) ንዓኻ ኣብ ሽወደን ሓድሽ ዝኾንካን ስንክልና ዘለካን ዝኸውን ሓደ ብሮሹር ኣዳልዩ ኣሎ። እቲ ብሮሹር ብብዙሕ ቋንቋታት ተዳልዩ ኣሎ።

ልዕሊ 18 ዓመት እንተ ዄንካን ናይ ካልእ ሃገር ፈቓድ መዘወሪ እንተ'ለካ ኾይኑን፡ ኣብ ሽወደን ማኪና ምዝዋር ይፍቀደካ እዩ። ኣብ ሽወደን ሓታቲ ዕቝባ ኣብ ዘለኻሉ ብምልኡ እቲ ግዜ ማኪና ክትዝውር ይፍቀደካ እዩ። ድሕሪ መንበሪ ፍቓድ ምርካብካ ካብታ ህዝባዊ መዝገብ ዝተመዝገብካላ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ነቲ ናትካ ፍቓድ መዘወሪ ናብ ናይ ሽወደን ፍቓድ መዘወሪ ናይ ግድን ክትቅይሮ ኣሎካ። ኣብ ሓደ ሓደ ኵነት ናይ ሽወደን ፍቓድ መዘወሪ ንኽወሃበካ ናይ ትራፊክ ሕግታት ምምሃርን ሓደስቲ መርመራታት ምግባርን ከድልየካ ይኽእል እዩ።

ናይ ቈልዑ መሰላት ኣብ እዋን መስርሕ ዕቝባ ካብ ናይ ዓበይቲ ይፍለ እዩ።

ኣብ ሽወደን ኵሎም ትሕቲ 18 ዓመት፡ ከም ቈልዑ እዮም ዝሕሰቡ። መብዛሕትኦም ናብ ሽወደን ዝመጹ ዕቝባ ሓተትቲ ቈልዑ ምስ ሓደ ወይ ክልቲኦም ወለዶም ብሓደ ይመጹ። ከምኡ'ውን ብዘይ ሓደ ወላዲ ወይ ሓደ መጕዚ ናብ ሽወደን ዝመጹ ብዙሓት ቈልዑ ኣሎዉ። መብዛሕትኦም ፍሉይ ሓገዝ የድልዮም እዩ።

ቈልዑ ናብ መውዓሊ ህጻናትን ቤት ትምህርትን ክኸዱ መሰል ኣሎዎም።

ኵሎም ሓተትቲ ዕቝባ ቈልዑን መንእሰያትን፡ ናብ መውዓሊ ህጻናት፡ ቤት ትምህርቲ ወይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ክኸዱ መሰል ኣሎዎም።

ቈልዑ ናይ ሕክምና መሰል ኣሎዎም

ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾኑ ሓተትቲ ዕቝባ ቈልዑ፡ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ቈልዑ፡ ናይ ሕክምናን ሕክምና ስኒን ብማዕረ ኵነት መሰል ኣሎዎም። ንትሕቲ 18 ዓመት ሕክምና ስኒ ብናጻ እዩ። ነቶም ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾኑ መብዛሕትኡ ግዜ ሕክምና ብናጻ እዩ።

ናይ ዕቝባ ሕቶኻ እንተ ተነጺጉ፡ ነቲ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ውሳነ ይጋብይ ክትብለሉ መሰል ኣሎካ።