ናይ ዕቝባ ሕቶ ውሳኔ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 4 2023

ድሕሪ ናይ ዕቝባ ሕቶ ምርመራን ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ሓደ ግምገማ ምግባሩን፡ እቲ ናይ ዕቝባ ሕቶካ ከም ዝተቐበለ ወይ ከም ዝተነጽገ ሓደ ውሳነ ክወሃበካ እዩ።

እቲ ውሳነ፡ በቲ ዝነገርካዮን ነቲ ዝነገርካዮ ዝድግፍ ዝሃብካዮ ጭብጢ መሰረት ብምግባር እዩ ዝውሰን። ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ብዛዕባ ዓድኻ ዘለዎ ኣፍልጦ እውን መሰረት ይኸውን እዩ።

ተሓዝ ጕዳይ ኣብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ብዛዕባ እቲ ውሳነ ክሕብረካ እዩ

ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ሓደ ውሳነ ምስ ወሰኑ ናባኻ ሓደ ደብዳበ ይሰዱ። ኣብቲ ደብዳበ ንሓደ ተሓዝ ጕዳይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ትረኽበሉ ግዜን ቦታን ሰፊሩ ኣሎ።

እቲ ተሓዝ ጕዳይ እቲ ናይ ዕቝባ ሕቶካ ተቐቢሉ ወይ ተነጺጉ እንተ ኾይኑ ክሕብረካ እዩ። ከምኡ'ውን እቲ ተሓዝ ጕዳይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ከመይ ገይሮም ናብዚ ውሳነ ከም ዝበጽሑ ክሕብረካ እዩ።

ሓደ ሓደ ግዜ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ቅድሚ ውሳነ ምውሳኖም ምስ ሓደ ተሓዝ ጕዳይ ክትራከብ ትኽእል ኢኻ። ሽዑ እቲ ተሓዝ ጕዳይ ኣየኖት መሰላት ከም ዘለዉኻን ውሳነ ምስ ተዋህበካ እንታይ ከም ዘጋጥምን ምሳኻ ክዘራረብ እዩ።