ንጽገት

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 4 6 2025

እቲ ዕቝባ ሕቶኻ ምስ ዝንጸግ፡ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ኣብ ሽወደን ንኽትጸንሕ እኹል ምኽንያት የብልካን ኢሎም ወሲኖም ኣለዉ ማለት እዩ።

እንተ ተነጺግካ ሰለስተ ኣማራጺታት ኣሎዉኻ፡

  • ነቲ ውሳነ ይግባይ ክትብሎ።
  • ናብ ሃገርካ ወይ ናብ ካልእ ንኽትቕመጥ ፍቓድ ዘሎካ ሃገር ክትምለስ።

ይግባይ ንምባል ይኹን ንምምላስ ምምራጽካ ብዘየገድስ ንዓድኻ ንምምላስ መደብ ክትገብር ክትጅምር ኣሎካ። ምስ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን እንተ ተሓባቢርካ፡ ኣብቲ ናይ ዓድኻ ምምላስ ጕዕዞ ክሕግዙካ እዮም።

እቲ ውሳነ መብዛሕትኡ ግዜ ንዓኻ ድሕሪ ምውሃቡ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ተግባራዊ ክኸውን ይጅምር። እቲ ውሳነ ተግባራዊ ክኸውን ምስ ጀመረን ይግባይ ክበሃል ኣብ ዘይኽእለሉን ግዜ ካብ ሽወደን ክትወጽእ ኣሎካ።

ንስኻ ምልክታኻ ዝተነጽገ ንናይ ስራሕ ፍቓድ ከተመልክት ትደሊ እንተ ዄንካ መጀመርታ ካብ ሽወደን ክትወጽእ ኣለካ።

ንስኻ ናይ ዕቝባ ሕቶኻ ዝተነጽገ፡ ኣብ ክንድኡ በቲ ስፖርብይተ (spårbyte) ዝብሃል ናይ ስራሕ ፍቓድ ንምምልካት ኣብ ሽወደን ክትጸንሕ ዕድል የብልካን። እቲ ተኽእሎ ቅድሚ ሕጂ ነይሩ እዩ፡ 1 ምያዝያ 2025 ግን ተኣልዩ። ናይ ስራሕ ፍቓድ ከተመልክት ምስ እትደሊ መጀመርያ ካብ ሽወደን ክትወጽእ ኣለካ ማለት እዩ።

ናይ ስራሕ ፍቓድ ውሳነ ትጽበ ምስ እትህሉ

ንስኻ ናይ ዕቝባ ሕቶኻ ዝተነጽገን ካብ ሽወደን ከይወጻእካ ናይ ስራሕ ፍቓድ ዘመልከትካ፡ እቲ ናይ ስራሕ ፍቓድ ምልክታኻ ክንጸግ እዩ። እዚ ማለት ድማ ካብ ሽወደን ክትወጽእ ከድልየካ እዩ። ምሳኻ ሓቢሮም ዘመልከቱ ኣባላት ስድራ ቤትካ እውን ይጽለዉ እዮም።

ከተናውሖ እትደሊ ናይ ስራሕ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ

ንስኻ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናይ ዕቝባ ሕቶኻ ምስ ተነጽገ ዝተዋህበካ ናይ ስራሕ ፍቓድ ዘለካ፡ ፍቓድካ ክሳብ ዘገልግለሉ ግዜ ኣብ ሽወደን ስራሕካ ክትቅጽል ትኽእል ኢኻ። ንኽተናውሖ ግን ከተመልክት ኣይክትክእልን ኢኻ። እዚ ማለት ናይ ስራሕ ፍቓድካ ምስ ወደቐ ካብ ሽወደን ክትወጽእ ከድልየካ እዩ። ምሳኻ ሓቢሮም ዘመልከቱ ኣባላት ስድራ ቤትካ እውን ይጽለዉ እዮም።

ነቲ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ውሳነ እንተ ዘይተቐቢልካዮ፡ ይግባይ ክትብል መሰል ኣሎካ።

ይግባይ ንምባል ክንደይ ግዜ ከም ዘሎካ ኣብቲ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ውሳነ ሰፊሩ ኣሎ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ውሳነ ካብ ዝተሓበረካ ዕለት ጀሚሩ ሰለስተ ሰሙን እዩ።

ሓደ ሕጋዊ ተሓጋጋዚ እንተ ኣሎካ ኾይኑ፡ እቲ ተሓጋጋዚ ይግባይ ንምባል ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ይግባይ ናብ ቤት ፍርዲ ኢሚግረሽን

ነቲ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ውሳነ ይግባይ ክትብሎ እንተ ደሊካ፡ ናብ ብዓል መዚ ኢምግረሽን ሓደ ደብዳበ ትጽሕፍ። ኣብኡ እዚ ዝስዕብ ክሰፍር ኣሎዎ፡

  • ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ነየናይ ውሳነ ክልውጥዎ ከም ትደሊ።
  • ስለምንታይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ነቲ ውሳነ ክልውጥዎ ከም ትደሊ።
  • ናትካ ውልቃዊ ሓበሬታ።
  • ናትካ ናይ ጕዳይ ቍጽሪ። እቲ ናይ ጕዳይ ቍጽሪ ኣብ ናትካ ኤልኤምኣ ካርድ ኣሎ።
  • ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ወይ እቲ ቤት ፍርዲ ክረኽበካ ዝኽእለሉ ቍጽሪ ተለፎንን ኣድራሻን።

ብዓል መዚ ኢሚግረሽን እቲ ውሳነ ዝልወጥ እንተ ኾይኑ ክርእይዎ እዮም። ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ጌጋ ውሳነ ወሲንና ኢሎም እንተ ሓሲቦም፡ ነቲ ውሳነኦም ክልውጥዎ እዮም። እዚ ንኣብነት ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ነቲ ውሳነ ክውስንዎ ከለዉ ዘይፈለጥዎ ምኽንያት ዕቝባ እንተ ነይሩ ኾይኑ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ነቲ ውሳነ ንምልዋጡ ምኽንያት የለን ኢሎም እንተ ሓሲቦም፡ እቲ ይግባይ ናብ ቤት ፍርዲ ኢሚግረሽን ይሓልፍ። እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ውሳነ ክልውጦ ወይ ምስ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ክሰማማዕ ይኽእል እዩ።

ይግባይ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢሚግረሽን

በቲ ናይ ቤት ፍርዲ ኢሚግረሽን ብይን ዕጉብ እንተ ዘይኴንካ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢሚግረሽን ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ። ካብታ ካብ ቤት ፍርዲ ኢሚግረሽን ብይን ዝረኽብካላ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢሚግረሽን ናይ ግድን ይግባይ ክትብል ኣሎካ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢሚግረሽን ንሓደ ሓደ ጕዳያት ጥራይ እዩ ዝርኢ። እዚ፡ ነቲ ጕዳይ ይምርምርዎ ይብሃል። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢሚግረሽን ንሓደ ጕዳይ ክምርምሮ ዝኽእል፡ መምርሒ ዝኸውን ናይ ቅድሚ ሕጂ ብይን ዘየለ እንተ ኾይኑ ወይ ቤት ፍርዲ ኢሚግረሽን ነቲ ጕዳይ ብጌጋ ኣገባብ እንተ ርእይዎ ኾይኑ እዩ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢሚግረሽን ንመብዛሕትኦም ጕዳያት ንኸይምርምሮም እዩ ዝውስን። ኣብ ከምዚ ኵነት እቲ ናይ ቤት ፍርዲ ኢሚግረሽን ብይን እዩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢሚግረሽን ነቲ ይግባይ ንኸይምርምሮ እንተ ወሲኑ፡ እቲ ናይ ቤት ፍርዲ ኢሚግረሽን ብይን ብቐጥታ ከገልግል ይጅምር።

ይግባይ ክበሃል ኣብ ዘይከኣለሉ እዋን

ኣብ ከምዚ ዝስዕብ ኵነት ይግባይ ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ፡

  • ነቲ ውሳነእንተ ተቐቢልካዮን ኣብቲ ናይ ዕግበት መግለጺ ዝብሃል ፈሪምካ እንተ ኾንካን።
  • ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢሚግረሽን ነቲ ናትካ ጕዳይ ንኸይምርምሮ እንተ ወሲኑን።
  • ናይ ግዜ ገደብ ዘለዎ መንበሪ ፍቓድ ተዋሂቡካ እንተ ኾይኑን።

ሓደ ናይ ምስጓግ ወይ ንጽገት ውሳነ እንተ ተዋሂቡካ፡ ምስ ሓደ ተሓዝ ጕዳይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ናይ ምምላስካ መደብ ንምውጻእ ንኽትዘራረቡ ክትጽዋዕ ኢኻ። ሽዑ ብዛዕባ እቶም ዘለዉ ዝተፈላለዩ ኣማራጺታት ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ። ሕቶታት ከተቕርብ እውን ትኽእል ኢኻ።

ነቲ ጕዕዞ ባዕልኻ ከተዳልዎ ዘይትኽእል እንተ ኾንካ ምስቲ ተሓዝ ጕዳይ ብሓባር ብኸመይ ከም ዝዳሎ መደብ ክትገብሩ ኢኹም።

መዓስ ኢኻ ካብ ሽወደን ትወጽእ?

እቲ ናትካ ውሳኔ ምስ ተዋህበካ ካብ ሽወደን ክትወጽእ ውሱን ግዜ ይወሃበካ። ክንደይ ግዜ ከም ዘሎካ ኣብቲ ውሳኔ ተጻሒፉ ኣሎ።

ኣብቲ ውሽጢ እቲ ግዜ እንተ ዘይተመሊስካ፡ ተመሊስካ ንኽትኣቱ ፍቓድ ንኽወሃበካ ዘሎ ዕድል ኣብ ሓደጋ ተእትዎ ኣሎኻ። እዚ ካብ ሓደ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ዝኾነት ሃገር ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኖርወይ፡ ኣይስላንድ፡ ስቪጸራ፡ ሊኽትንሽታይን፡ ሩመንያ ወይ ቡልጋርያ ክትኣቱ ኣይፍቀደካን ማለት እዩ። ኣብቲ ናትካ ውሳነ እቲ ክልከላ ንኽንደይ ንውሓት ግዜ ከም ዘገልግል ሰፊሩ ኣሎ።