ቍጠባ፡ ዕቝባ ሓቲትካ መልሲ ኣብ ትጽበየሉ ግዜ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 29 5 2023

ኣብ ሽወደን ዑቕባ ሓቲትካ ኣብ ዘለኻሉ ግዜ ብቝጠባ ከመይ ጌርካ ነብስኻ ከም ትኽእል ኣብዞም ገጻት ሓበሬታ ኣሎ። ብዛዕባ ሕሳብ ባንኽ ምኽፋት እውን ኣብዚ ብዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ሽወደን ሓታቲ ዑቕባ ኣብ ዘለኻሉ ግዜ ስራሕ ምስራሕ ወይ ናትካ ትካል ንምኽፋት ዕድላት ክህሉ ይኽእል እዩ። ኣብ ሽወደን ንምስራሕ ዘዳልወካ ብዙሕ መገድታት እውን ክህሉ ይኽእል እዩ።

ናይ ገዛእ ርእስኻ ገንዘብ ክትረክብ ተኽእሎ ምስ ዘይህልወካ ወይ ካልእ ንብረት ምስ ዘይህልወካ ካብ በዓል መዚ ኢሚግረሽን ቍጠባዊ ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ሽወደን ሓታቲ ዑቕባ ኣብ ዘለኻሉ ግዜ ናይ ባንክ ዓሚል ክትከውንን፣ ባንክ ካርድን ካልኦት ኣገልግሎታትን ንክትረክብን ዕድል ክህልወካ ይኽእል እዩ።