ቍጠባ፡ ዕቝባ ሓቲትካ መልሲ ኣብ ትጽበየሉ ግዜ
ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ፡ 7 8 2019
ኣብ ሽወደን ዑቕባ ሓቲትካ ኣብ ዘለኻሉ ግዜ ብቝጠባ ከመይ ጌርካ ነብስኻ ከም ትኽእል ኣብዞም ገጻት ሓበሬታ ኣሎ። ብዛዕባ ሕሳብ ባንኽ ምኽፋት እውን ኣብዚ ብዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
-
ዕቝባ ሓቲትካ ኣብ ዘለኻሉ እዋን ምስራሕ
ኣብ ሽወደን ሓታቲ ዑቕባ ኣብ ዘለኻሉ ግዜ ስራሕ ምስራሕ ወይ ናትካ ትካል ንምኽፋት ዕድላት ክህሉ ይኽእል እዩ። ኣብ ሽወደን ንምስራሕ ዘዳልወካ ብዙሕ መገድታት እውን ክህሉ ይኽእል እዩ።
-
ቍዊ ሓገዝ ካብ በዓል መዚ ኢሚግረሽን (Migrationsverket)
ናይ ገዛእ ርእስኻ ገንዘብ ክትረክብ ተኽእሎ ምስ ዘይህልወካ ወይ ካልእ ንብረት ምስ ዘይህልወካ ካብ በዓል መዚ ኢሚግረሽን ቍጠባዊ ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።
-
ባንክን ናይ ባንክ ሕሳብን
ኣብ ሽወደን ሓታቲ ዑቕባ ኣብ ዘለኻሉ ግዜ ናይ ባንክ ዓሚል ክትከውንን፣ ባንክ ካርድን ካልኦት ኣገልግሎታትን ንክትረክብን ዕድል ክህልወካ ይኽእል እዩ።