ትምህርቲ ሽወደንኛ ጀምር
ሽወደንኛ ንኽትማሃር ክትጅምር እትጥቀመሎም መኽዘናት፡ ፊልምታትን መርበብ ሓበሬታታትን ኣብዚ ክትረክብ ኢኻ።
ብፊልም ጌርካ ተለማመድ
ኣብ'ቶም ፊልምታት፡ ልሙዳት ዝኾኑ ቃላትን ሓረጋትን ክትማሃር ኢኻ። እንተ ደሊኻ'ውን፡ ነቶም ፊልምታት ደው እናበልካን ንድሕሪት እናመለስካን ክትርእዮም ትኽእል ኢኻ። ጽሑፋዊ መግለጺ እንተደሊኻ'ውን፡ ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ናይቲ ፊልም፡ የማናይ ሸነኽ ዘሎ ሳጹን ጠውቕ።