ሽወደንኛ ምምሃር ቀጽል
ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 4 2023
ትምህርቲ ሽወደንኛ ክትቅጽል እትጥቀመሎም ኣፓት፡ ፊልምታትን ኣድራሻታት ኢንተርነትን ኣብዚ ክትረክብ ኢኻ።

ሄይስቬንስካ 2ን 3ን 4ን (Hejsvenska 2, 3, 4)
ኣብ ሄይስቨንስካ 2ን 3ን 4ን ቁሩብ ብርትዕ ዝበለ ቋንቋን ስዋስውን ኣሎዎ። ከምቲ ዝደለኻዮ መስርዕ ጌርካ በብተራ ሓንቲ ኣርእስቲ ኣብ ሓደ ግዜ እንዳ ገበርካ ተለማመድ። ነተን ኣፓት ኣብ ተንቀሳቓሲት ተለፎንካ ክትጽዕነን ትኽእል ኢኻ። ነተን ኣፓት ብዘይ ኢንተርኔት ክትጥቀመለን ትኽእል ኢኻ።
ብፊልም ጌርካ ተለማመድ
ኣብ'ቶም ፊልምታት፡ ልሙዳት ዝኾኑ ቃላትን ሓረጋትን ክትማሃር ኢኻ። እንተ ደሊኻ'ውን፡ ነቶም ፊልምታት ደው እናበልካን ንድሕሪት እናመለስካን ክትርእዮም ትኽእል ኢኻ። ጽሑፋዊ መግለጺ እንተደሊኻ'ውን፡ ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ናይቲ ፊልም፡ የማናይ ሸነኽ ዘሎ ሳጹን ጠውቕ።