ኮርሳት ሽወደንኛ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 15 4 2024

ኣብዚ ብዛዕባ ዝተፈላለያ ናይ ሽወደንኛ ኮርሳት ዝህባ ንጥፈታት ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ገሊኦም ትምህርትታት ንዓኻ ሓታት ዕቑባ ዘለኻ ዝኾኑ እዮም። እቶም ካልኦት ድማ ንዓኻ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህበካ ዝኾኑ እዮም።

ትምህርቲ ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት (ኤስ.ኤፍ.ኢ)

ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት (SFI)፡ መሰረታዊ ፍልጠት ሽወደንኛን፡ ኣፍልጦ ብዛዕባ ሕብረተ ሰብ ሽወደንን ዘቕስመካ ትምህርቲ እዩ። ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት፡ ብሽወደንኛ “Svenska för invandrare” መብዛሕትኡ ግዜ ኤስ.ኤፍ.ኢ (SFI) ተባሂሉ ብኣሕጽሮት ይጽዋዕ እዩ።

ነዚ ዝስዕብ ምስ እተማልእ ኣብ ኤስ.ኤፍ.ኢ ክትምሃር መሰል ኣለካ፦.

  • መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ።
  • 16 ዓመት ዝመላእካ ምስ እትኸውን።
  • መሰረታዊ ፍልጠት ቋንቋ ሽወደን ምስ ዘይህልወካ።
  • ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ዝተመዝገብካ ወይ ከም ተቐማጢ ናይ ሓደ ኮሙን ኣብቲ ኮሙን ህዝባዊ መዝገብ ክትምዝገብ ምስ እትኸውን።

ኣብ ገሊኡ ኮሙናት እቶም ኣብ መምርሒ ጃምላዊ ስደት እቱዋት ዝኾኑ ካብ ዩክረይን ዝመጹ እውን ኤስ.ኤፍ. ኢ. ክመሃሩ ይኽእሉ እዮም።

እቲ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ተመዝጊብካ ትነብረሉ ኮሙን እዩ ነዚ ትምህርቲ ዘዳሉ። ከምኡ’ውን ኣብ ገሊኡ ህዝባዊ ኣብያተ ትምህርቲ (folkhögskola) ኤስ.ኤፍ. ኢ. ክትምሃር ትኽእል ኢኻ።

ትምህርቲ ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት (ኤስ.ኤፍ.ኢ) ክትምሃር ኣይክፈሎን እዩ። ነዚ ትምህርቲ ብምሉእ ሰዓታት፡ ክፋል ሰዓታት ወይ ምስ ስራሕ፡ ልምምድ ስራሕ፡ ወይ ካልእ ትምህርቲ ንኣብነት ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ወይ ቤት ትምህርቲ ኣባጽሕ (ኮምቩክስ) ኣወሃሂድካ ክትምሃሮ ትኽእል ኢኻ።

ብዛዕባ ትምህርቲ ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት (ኤስ.ኤፍ.ኢ) ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ምስ’ቲ ትነብረሉ ኮሙን ርክብ ግበር። ኣብ ኣርበትስፎርመድሊኘን (ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ) ምዝጉብ ምስ እትኸውንን፡ ኣብ መደብ መትከል እግሪ ትሳተፍ ምስ እትህሉን፡ ምስ ኣብ ኣርበትስፎርመድሊኘን ዘሎ ተሓዝ ጕዳይካ ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።

ሽወደናዊ ከም ካልኣይ ቋንቋ

ናይ ኤስ. ኤፍ. ኢ. ትምህርትኻ ወዲእካ እንተ ኴንካ፡ ትምህርቲ ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ ምምሃር ክትቅጽል ትኽእል ኢኻ። ንኸተመልክት ሓገዝ ንምርካብ ምስ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣባጽሕ ዝሰርሕ ናይ ትምህርትን ሞያን ኣማኻሪ ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ኣርበትስፎርመድሊኘን (ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ) ምዝጉብ ምስ እትኸውንን፡ ኣብ መደብ መትከል እግሪ ትሳተፍ ምስ እትህሉን፡ ንተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ኣርበትስፎርመድሊኘን ንዘሎ ተሓዝ ጕዳይካ ክትውከሶ ትኽእል ኢኻ።

ናይ ሞያ ሽወደንኛ (Yrkessvenska)

ናይ ሞያ ሽወደንኛ፡ ምስ እተፈላለየ ጽላታትን ሞያታትን ዘድሊ ቃላት ከም ዝሰማማዕ ዝተገብረ ትምህርቲ ሽወደንኛ እዩ። እዚ፡ ኣብ ሓደ ውሱን ሞያ ክትሰርሕ ንኽትክእል እቲ ዘድልየካ ሽወደንኛ ትምሃር ማለት እዩ።

ኣብ ትምህርቲ ናይ ሞያ ሽወደንኛ ክትሳተፍ ንኽትክእል ኣብ ኣርቤትስፎርመድሊኘን ዝተመዝገብካ ክትከውን ኣለካ። ነዚ ትምህርቲ ምምሃር ክትጅምር ትኽእል እንተ ዄንካ ዝውስን ኣርቤትስፎርመድሊንኘን እዩ።