ሽወደንኛ ምስ ካልኦት ብሓባር ተለማመድ
ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 4 2023
ሽወደንኛ ንኽትምሃር ዝበለጸ ኣገባብ እንተሎ፡ ሽወደንኛ ምስ ዝኽእሉ ሰባት ምዝራብ’ዩ።
ኣብ ኢንተርነት ምስ ዝተፋለጥካዮ ሰብ፡ ብኣካል ኣብ እትራኸበሉ እዋን ጥንቃቐ ምግባር ኣይትረስዕ። ናበይ ትኸይድ ከም ዘለኻ ንብጻይካ ሓብር፡ ምስቲ ብኢንተርነት ዝተፋለጥካዮ ሰብ ከኣ፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታ ተራኸብ።
"መራሕ ስደተኛ" (flyktingguide)፡ ወይ ከኣ "ብጻይ ቋንቋ"(Språkvän)
ብዙሓት ኮሙናትን ወለንታውያን ማሕበራትን ሓደስቲ መጻእቲ ሰባት ምስ ሽወደናውያን ንኽራኸቡ ኣብ ምሕጋዝ ይነጥፋ እየን። ኣስማት ናይቲ ንጥፈታት ክፈላለ ይኽእል እዩ። ስፕሮክቬን (språkvän)፡ ሓባሪ ስደተኛ (flyktingguide)፡ ኣቦ (fadder)፡ ዓላማይ (mentor) ወይ ዓርኪ (kompis) ተባሂሉ ክጽዋዕ ይኽእል እዩ።
ኣብቲ ትነብረሉ ኮሙን ኣየኖት ንጥፈታት ከም ዘሎ ንምፍላጥ ምስ ኮሙንካ ተራኸብ ወይ ኣብቲ ናቶም መርበብ ሓበሬታ ድለ።
ብፊልም ጌርካ ተለማመድ
ኣብ'ቶም ፊልምታት፡ ልሙዳት ዝኾኑ ቃላትን ሓረጋትን ክትማሃር ኢኻ። እንተ ደሊኻ'ውን፡ ነቶም ፊልምታት ደው እናበልካን ንድሕሪት እናመለስካን ክትርእዮም ትኽእል ኢኻ። ጽሑፋዊ መግለጺ እንተደሊኻ'ውን፡ ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ናይቲ ፊልም፡ የማናይ ሸነኽ ዘሎ ሳጹን ጠውቕ።