ዝተናውሓ መንበሪ ፍቓድ ንኽወሃበካ ኣመልክት።
ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 4 9 2024
ዕቝባ ንምርካብ ዘመልከትካን ናይ ግዜ ገደብ ዘለዎ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህበካን፡ መንበሪ ፍቓድካ ንኽናዋሕ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ገና ዕቝባ ዘድልየካ እንተ ኾይኑ ወይ ካልእ ኣብ ሽወደን ዘጽንሕ ምኽንያት ምስ ዝህልወካ፡ ዝተናውሓ መንበሪ ፍቓድ ክወሃበካ ይኽእል እዩ። መንበሪ ፍቓድካ ቅድሚ ምውዳቑ ንምንዋሕ ከተመልክት ኣገዳሲ እዩ።
ከም ስደተኛ ተቐባልነት እንተ ረኺብካ
ንስኻ ከም ስደተኛ ተቐባልነት ዝረኸብካ፡ ሓደ ናይ ሰለስተ ዓመት ናይ ግዜ ገደብ ዘለዎ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ገና ዕቝባ ምስ ዘድልየካ፡ ዝተናውሓ መንበሪ ፍቓድ ክወሃበካ ይኽእል እዩ።
ከም ናይ ብጽሒት ስደተኛ (kvotflykting) ኴንካ ዝመጻእ፡ ብኡንብኡ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ይወሃበካ እዩ።
ብደረጃ ኣማራጺ ዕቝባ ዘድልዮ ምስ እትኸውን
ብደረጃ ከም ኣማራጺ ዕቝባ ዘድልዮ ሰብ ተቐባልነት ዝረኸብካ፡ ናይ 13 ኣዋርሕ ናይ ግዜ ገደብ ዘለዎ መንበሪ ፍቓድ እዩ ኣለካ። ድሕሪ 13 ኣዋርሕ ገና ዕቝባ ምስ ዘድልየካ፡ ዝተናውሓ መንበሪ ፍቓድ ክወሃበካ ይኽእል እዩ።
መንበሪ ፍቓድካ ቅድሚ ምውዳቑ ኣመልክት
እቲ ናይ ግዜ ገደብ ዘሎዎ መንበሪ ፍቓድካ ቅድሚ ምውዳቑ ንምንውሑ ናይ ግድን ኣቐዲምካ ከተመልክት ኣሎካ። ደንጒኻ እንተ ኣመልኪትካ ውሳነ ኣብ ትጽበየሉ ግዜ ክትሰርሕ ኣይፍቀደካን እዩ። ብተወሳኺ ንኣብነት ከም ደገፍ መትከል እግሪ፡ ቍጠባዊ ሓገዝ ትምህርቲ ወይ መተካእታ ደሞዝ ወለዲ ዝኣመሰሉ ረብሓታት ክትከስሮም ኣብ ሓደጋ ትኣቱ ኢኻ።
መንበሪ ፍቓድ ቅድሚ ምውዳቑ እንተ ቐልጠፈ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ንምንውሑ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ናብ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን መርበብ ሓበሬታ ብባንክ-ኢደ ገርካ ብምእታው፡ ብኤለክትሮኒካዊ ኣገልግሎት ኣመልክት። እዚ ኤለክትሮኒካዊ ኣገልግሎት ብሽወደንኛን እንግሊዝኛን ኣሎ።
ብዛዕባ ስደተኛ ወይ ከም ኣማራጺ ዕቑባ ዘድልዮ ሰብ ምዃን ፊልም ርአ
ቤት ትምህርቲ ራድዮ (UR) ብዛዕባ ኣብ መንጎ ከም ስደተኛ ምቕባልን ከም ብኣማራጺ ዑቝባ ዘድልዮ ሰብ ምቕባልን ዘሎ ፍልልይ ዝገልጽ ፊልም ገይሮም ኣሎዉ። እቲ ፊልም ብሽወደንኛ እዩ። እቲ ፊልም ብሽወደኛ፡ ዓረብኛ፡ ኩርደኛ፡ ፋርሰኛ፡ ሶማልኛን ትግርኛን ትሕተ-ኣርእስቲ ኣሎዎ።
ንቐዋሚ መንበሪ ፍቓድ ከተመልክት እንተ ደሊኻ
እንተ ወሓደ ንሰለስተ ዓመት ናይ ግዜ ገደብ ዘለዎ መንበሪ ፍቓድ ዝነበረካ፡ ንቐዋሚ መንበሪ ፍቓድ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ንቐዋሚ መንበሪ ፍቓድ ከተመልክት ንኽትክእል ናይ ግድን
- ቀጻሊ ናይ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ዘድሊ ጠለባት ከተማልእ፡
- ነብስኻ ባዕልኻ ክትናቢ ክትኽእል፡
- ጥቁው ሂወት ክትነብር የድልየካ።
ፍቓድካ ክናዋሕ ኣብ ተመልክተሉ ግዜ ንቐዋሚ መንበሪ ፍቓድ ድማ ተመልክት።
ሕቶታትን መልስታቱን
ዝተናውሓ መንበሪ ፍቓድ ክወሃበካ ከሎ መብዛሕትኡ ግዜ ንኽልተ ወይ ሰለስተ ዓመት ዘገልግል መንበሪ ፍቓድ እዩ ዝወሃበካ። ገበን እንተ ፈጺምካ ኣብ ገሊኡ መዳያት እቲ ናይ መንበሪ ፍቓድ ዝሓጸረ ክኸውን ይኽእል እዩ።
መግለጺ ቃላትን ኣምራትን
ስደተኛ
ስደተኛ ማለት ሓደ ኣብ ሃገሩ ዕቝባ ክረክብ ስለ ዘይከኣለን፡ ኣብኡ ምስዳድ ክወርዶ ኣብ ሓደጋ ስለ ዘሎን ካብ ሃገሩ ዝሃደመ ሰብ እዩ። እቲ ምስ’ዳድ ብምኽንያት እዞም ዝስዕቡ ክኸውን ይኽእል እዩ
- መበቈል
- ዜግነት
- ሃይማኖት
- ፖለቲካዊ ኣረኣእያ
- ጾታ
- ጾታዊ ዝንባሌ
- ኣባል ሓደ ፍሉይ ማሕበራዊ ጕጅለ።
ናይ ብጽሒት ስደተኛ (kvotflykting)
ናይ ብጽሒት ስደተኛ ማለት ሓደ ካብ ሃገሩ ዝተሰደደን ብወኪል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ዩኤንሆሰኣር ናብ ካልእ ሃገር ክግዕዝ ዝተመርጸን ሰብ እዩ።
ከም ኣማራጺ ዕቝባ ዘድልዮ ሰብ
ሓደ ከም ኣማራጺ ዕቝባ ዘድልዮ ሰብ ደረጃ ዕቝባ እተዋህቦ ሰብ፡ ብሰንኪ ዕጥቃዊ ግጭት ብሞት ንኽቕጻዕ ኣብ ሓደጋ ዘሎ፡ ንኣካላዊ መቕጻዕትን ስቅያት ወይ ጕድኣት ዝተቓልዐ ሰብ እዩ ።