ኣብ ሽወደን ምስራሕ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 31 5 2023

ኣብዚ ብዛዕባ ኣብ ሽወደን ምስራሕ ሓበሬታ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ስራሕ ከመይ ጌርካ ከም ትረክብ፡ ናይ ባዕልኻ ትካል ከመይ ጌርካ ከም ተበግስን ናይ ሽወደን ዕዳጋ ስራሕ ብኸመይ ከም ዝሰርሕን ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

Arbetsförmedlingen

ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ኣብ ምሉእ ሽወደን ዝርከብ ሓደ ሃገራዊ ብዓል መዚ እዩ።ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ንደለይቲ ስራሕ ይኹን ንወሃብቲ ስራሕ ሓደ ብጽቡቕ ዝሰርሕ ዕዳጋ ስራሕ ከበርክት ኣሎዎ። ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ፡ ደለይቲ ስራሕ ስራሕ ክረኽቡን ወሃብቲ ስራሕ ትኽክለኛ ዓቕሚ ንኽረኽቡ ይሕግዙ።

ክትሰርሕ ከለኻ ግብሪ ክፈል

ክትሰርሕ ከለኻ ናይ ግድን ካብ ደሞዝካ ግብሪ ክትከፍል ኣሎካ። እቲ ወሃብ ስራሕካ ናይ ግድን ማሕበራዊ ክፍሊት ክኸፍል ኣሎዎ። እዚ፡ ብጻዕዳ ምስራሕ ይብሃል።

ብጻዕዳ ምስራሕ ብዙሕ ረብሓ ኣሎዉ። ካልእ ገዲፍካ ነዚ ዝስዕብ ትረክብ።

  • ሓደ ናይ ስራሕ ምቝጻር ምስክር ወረቐት።
  • መወክስ
  • መሰል ንዓመታዊ ዕረፍቲ
  • መሰል ናይ ዝኽፈሎ ዕረፍቲ ወለዲ።
  • መድሕናት
  • ኣብ ናይ ሽወደን ስርዓት ጥሮታ ሕሳብ ንምግባር ዝጥቀምሉ ናይ ጥሮታ ነጥቢ።
  • ክፍሊት ሓሚምካ እንተ'ለኻ።
  • ክፍሊት ውላድካ እንተ ሓሚሙ እሞ ኣብ ገዛ ምጽናሕ እንተ ኣድለየካ።

ግብሪ ከይከፈልካ እንተ ሰሪሕካ፡ ብጸሊም ትሰርሕ ኣሎኻ ይብሃል። ብጸሊም ምስራሕ ዘይሕጋዊ እዩ። ክሳብ ናይ ክልተ ዓመት ማእሰርቲ ከስዕብ ይኽእል እዩ።