ስራሕን ቈልዑን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 3 5 2023

ንስኻ ናእሽቱ ቈልዑ ዘለዉኻ፡ እቲ ቈልዓ ንእሽተይ ከሎ ወይ እቲ ቈልዓ እንተ ሓሚሙ፡ ነቲ ቈልዓ ንኽትኣልዮ ካብ ስራሕ፡ ትምህርትኻ ወይ ናይ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ንጥፈታት ተሪፍካ ኣብ ገዛ ክትህሉ ትኽእል ኢኻ።

ድሕሪኡ ክትሰርሕ፡ ክትምሃር ወይ ኣብ ናይ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ንጥፈታት ክትሳተፍ ከለኻ፡ እቲ ቈልዓ ናብ መውዓሊ ህጻናት ወይ ናብ ኣላይት ቈልዑ ኣብ እዋን ቀትሪ ክኸይድ ይኽእል እዩ።

መተካእታ ደሞዝ ወላዲ

ቈልዓ ወይ መጕዚትነት ናይ ሓደ ቈልዓ እንተ ኣለካ ኾይኑ፡ ምስቲ ቈልዓ ኣብ ገዛ ንኽትከውን ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ገንዘብ ክወሃበካ ይኽእል እዩ። እዚ ምውሳድ መተካእታ ደሞዝ ወላዲ ይብሃል።

መተካእታ ደሞዝ ወላዲ ናይ ምሉእ ግዜ ወይ ክፋል ግዜ ክወሃበካ ይኽእል እዩ። ምሉእ ግዜ ምስቲ ውላድካ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ገዛ ትህሉ ማለት እዩ። ክፋል ግዜ ምስቲ ውላድካ ገለ ክፋል ናይ መዓልቲ ኣብ ገዛ ትህሉ ማለት እዩ።

መተካእታ ደሞዝ ወላዲ ናይ ክፋል ግዜ

ምስ ውላድካ ሓደ ክፋል ናይ መዓልቲ ኣብ ገዛ ንኽትጸንሕ መተካእታ ደሞዝ ወላዲ ትወስድ እንተ ዄንካ፡ ኣብታ ክፋል ናይታ መዓልቲ ክትሰርሕ፡ ስራሕ ክትደሊ ወይ ክትምሃር ኣይትኽእልን ኢኻ።

ንኣብነት ኣብ ሓደ መዓልቲ ሽዱሽተ ሰዓት ትሰርሕ እንተ ዄንካ፡ ናይ ክልተ ሰዓት ናይታ መዓልቲ መተካእታ ደሞዝ ወላዲ ክትወስድ ትኽእል።

መተካእታ ደሞዝ ወላዲ ክትወስደሉ ትኽእል ዝበዝሐ ቍጽሪ መዓልታት ከም ዘሎካ ዘክር። እዞም መዓልታት ምስ ተወድኡ መተካእታ ደሞዝ ወላዲ ዚወሃቦ ተወሳኺ መዓልታት ክትወስድ ኣይትኽእል ኢኻ።

ውላድካ ምስ ዚሓምም

ውላድካ ምስ ዚሓምም እውን መሰል መተካእታ ደሞዝ ወላዲ ኣሎካ። ንሱ ግዜያዊ መተካእታ ደሞዝ ወላዲ ወይ ምእላይ ህጻን VAB ይብሃል። በዚ ድ 80 ካብ ሚእቲ ናይ ደሞዝካ ትረክብ። ኣብ ዓመት እንተ በዝሐ 120 መዓልታት ክትወስድ ትኽእል።

ሓልዮት ቈልዑ

ወላዲን ትሰርሕን ወይ ትምሃርን እንተ ዄንካ፡ ውላድካ መሰል ንሓልዮት ቈልዑ ኣለዎ። እቲ ቈልዓ ንኣብነት ናብ መውዓሊ ህጻናት ወይ ኣላይት ቈልዑ ኣብ እዋን ቀትሪ ክኸይድ ይኽእል እዩ።

ኣብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ምዝጉብ እንተ ዄንካ፡ ነቶም ኣብ መደብ ንጥፈታትካ እቱዋት ዝኾኑ ንጥፈታት ኣብ ትገብረሉ እዋን ውላድካ መሰል ንሓልዮት ቈልዑ ኣለዎ።

ናይ ውላድካ ንእሽተይ ሓዊ ወይ ሓፍቲ ንምሓዝ ናይ ወላዲ ዕረፍቲ ወሲድካ እንተ ኣሎኻ ዄንካ፡ እቲ ቈልዓ ንሰለስተ ሰዓታት ንመዓላቲ ወይ 15 ሰዓታት ንሰሙን መሰል ንሓልዮት ቈልዑ ኣለዎ።

ኣብቲ እትነብሮ ቦታ ክንክን ህጻናት ከመይ ከም ዝኾነ ንምፍላጥ ምስ ኮሙንካ ርክብ ግበር።