ዕዳጋ-ስራሕ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 12 2022

ብኸመይ ኣብ ሃገር ሽወደን ከም ትሰርሕ ዝመርሑ፤ ብዙሓት ሕጊታትን ውዕላትን ኣለዉ። እዞም ኣብ መንጎ ወሃብ-ስራሕን ሰራሕተኛን ዘገልግሉ ሕጊታትን ስርዓታትን ድማ፤ ሕጊ-ስራሕ ይብሃሉ። ዕዳጋ-ስራሕ ክልተ ገጻት ዘለዎ፤ ብወሃብ-ስራሕን ብውድብ-ሰራሕኛታትን ዝቖመ እዩ። ሓደ ውድብ-ሰራሕተኛታት ዝበሃል፤ እቲ ንኹሎም ነቶም ማሕበር-ሰራሕተኛታት ናይ ተመሳሳሊ ጨንፈር-ስራሕ ዝሓቖፈ ውድብ እዩ።

ወሃብ-ስራሕ

ብዙሓት ንናይ መንግስታዊ፤ ኮሙናዊን ንግዳዊ-ክፋልን ሰራሕተኛታት ዚጥርንፋ፤ ናይ ወሃብቲ-ስራሕ ማሕበራት ኣለዋ። ማሕበር ወሃብቲ-ስራሕ ዚበሃል፤ ብዙሓት ወሃብቲ-ስራሕ ነቲ ብሓባር ዘገድሶም ሕቶታት፤ ብሓደ ተጠርኒፎም ዚሰርሑሉ ውድብ እዩ።

እቲ ዝዓበየ ብሕታውያን ማሕበር ወሃብቲ-ስራሕ፤ ናይ ሽወደን ጽላት ኢንዱስትሪን ንግድን "Svenskt näringsliv" እዩ። ብዓል መዚ ወሃብቲ-ስራሕ ንመንግስታውያን ወሃብቲ-ስራሕ፡ ንኣብነት ንብዓል መዝታት ካሳ ውሕስነትን (Försäkringskassan) ብዓል መዚ ግብርን (Skatteverket) ዝሓቖፈ እዩ። እቶም ኮሙናላዊ ወሃብቲ ስራሕ ኣብ ናይ ሽወደን ኮሙናትን ዞባታትን፡ SKR፡ ይጥርነፉ።

ሓንቲ ኩባንያ ኣባል ውድብ ወሃብቲ-ስራሕ ክትከውን እትመርጽ ባዕላ እያ።

ማሕበር-ሰራሕተኛታት

ሓደ ማሕበር-ሰራሕተኛታት፤ እቲ ምስ ወሃብ-ስራሕ ብዛዕባ ናይ ኣባላቱ ደሞዝ ዝወዓዓል ውድብ እዩ። እቲ ዕዮ ናይ ማሕበራት-ሰራሕኛታት፤ ንኣባላተን ኣብ ቦታ ስራሕ፤ ጽቡቕ ንኽኾነሎም ዚሰርሓ ማሕበራት እየን። ኣብ ሃገር ሽወደን ካብ 1880 ጀሚሩ ማሕበር ሰራሕተኛታት ቆይሙ እዩ።

ኣብ መብዛሕትኡ ቦታ-ስርሓት ሞያዊ-ስርዒታት "fackklubb" ወይ ወኪል ቦታ-ስራሕ ኣሎ። ሞያዊ-ስርዒት ዚበሃል፤ እቲ ብሓደ ሞያ፡ ኣብ ሓደ ቦታ-ስራሕ ብዚርከቡ ኣባላት ዝቖመ እዩ። ወኪል ቦታ-ስራሕ ዚበሃል፤ ኣብ ሓደ ቦታ-ስራሕ፤ ንኣባልቱ ዚውክል ሰብ እዩ።

ሞያዊ-ስርዒታትን ወኪል ቦታ-ስራሕን ኣባላት ማሕበር-ሰርዒታት እዮም። እተን ማሕበራት-ሰራሕተኛታት ድማ ብግዲአን፤ ናይ ዝለዓለ ውድብ ኣባላት እየን። ንኣብነት ሃገራዊ ውድብ ሰራሕተኛታት ሽወደን "Landorganisationen i Sverige, LO" ክጥቀስ ይክኣል። ኣብ ክልቲኡ፡ ማለት ናይ ማሕበር-ሰራሕተኛን ናይ ስራሕ ኣልቦነት-ካሳን፤ ኣባል "arbetslöshetskassa, A-kassa" ምዃን ልሙድ እዩ። ናይ ስራሕ ኣልቦነት-ካሳ ዚበሃል፤ ንስራሕ-ኣልቦ ኣባላቱ ገንዘብ ዚህብ ቁጠባዊ ማሕበር እዩ።

ሓባራዊ-ውዕል

ሓባራዊ-ውዕል "kollektivavtal" ዚበሃል፤ ኣቲ ኣብ መንጎ ወሃብ-ስራሕን ማሕበር-ሰራሕተኛታትን ዚግበር ጽሑፋዊ ውዕል እዩ። ኣብቲ ሓባራዊ-ውዕል፤ ሕጊታት ናይ ስራሕ-ሰዓታት፤ ናይ ዕረፍቲን ደሞዝን ወዘተ ሰፊሩ ይርከብ። ብዙሕ ጊዜ ብዛዕባ ኵነታት ደሞዝካ ዚውስን፤ እዚ ሓባራዊ-ውዕል እዩ። ይኹንእምበር፤ ሓባራዊ-ውዕል ዘለወን፤ ኩለን ውድባትን ኩባንያታትን ኣይኮናን።

ኣብቲ ሓባራዊ-ውዕል፤ እቲ ሰራሕተኛታት ክረኽብዎ ዘሎዎም ዝተሓተ ደሞዝ ዚውሰነሉ እዩ። እቲ ውዕል ዋላ ነቶም ኣብቲ ቦታ-ስራሕ ዚሰርሑ፤ ኣብ ማሕበር-ሰራሕተኛታት ግን ኣባላት ዘይኮኑ ውን የገልግል እዩ። ኣብ ሃገር ሽወደን እቲ ዝተሓተ ደረጃታት ደሞዝ፤ ክንደይ ክኸውን ከም ዘሎዎ ዚውስን ሕጊ የልቦን።